The
Seven Words of our Lord on the Cross
ቀዳማይ ቃል
1. “Father,
forgive them, for they know not what they do” (Luke23:34)
“ኦ
ኣቦይ ዚገብሩዎ ኣይፈልጡን
እዮም እሞ ሕደገሎም”
(ሉቃ 23፡34)
ኣርኣያና ዝኾነ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣጸደ መስቀል ብዛዕባ ነብሱ ኣይኮነን ዝሓስብ ዝነበረ። ስቃዩ፡
ድኻሙ፡ ቁስሉ፡ ኣይኮነን ዘሕስቦ ዝነበረ። ጎይታናን መድሓኒናን ነቲ
ኣሰቃቂ ስንብራት ኣብ ሕቅኡ ዝነበረ ግዲ ኣይገበረሉን፡ ሽነካራተ ናይ መስማር ኣእዳዉን ኣእጋሩን ግዲ ኣይገበረሉን ከምኡ’ውን ነቲ
ብእሾኽ ዝተሰርሐ ኣኽሊል’ኳ ኣይተገደሰሉን። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ኹሉ መከራ ክስከም ከሎ ብፍቕሪ ወድ ሰብ
ስለዝተመልአ እዩ። ምኽንያቱ እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ። እንታይ ደኣ ብዛዕባ’ቶም ዘሳጉጉዎን ንኽስቀል ዝመኸረኑን ደኣ እዩ ዝልምን
ዝነበረ። ከምዚ ዚኣመሰለ ፍቕሪስ ኣሎ’ዶ፡ እታ መጀመርያ ቃሉ ድማ “ኦ ኣቦይ
ዚገብሩዎ ኣይፈልጡን እዮም
እሞ ሕደገሎም” እያ ነይራ። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንጸላእቱ
መጀመርያ ኣፍቐረ። ፍቕሪ ካብ ኮነ ከመይ ጌርና ከም ነፍቕር ዓቢ ትምህርቲ’ዩ ነዓና። ኣብዚ ህሞት’ዚ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ናይ ቃንዝኡ
እዩ ነይሩ። እናተቀንዞና ብዛዕባ ካልእ ንሓስብ’ዶ፡ ፍቕሪ ጎይታናን መድሓኒናን ግን ካብ’ቲ እከይ ዝኾነ ሓሳባት ጸላእቱ ይዓቢ።
ንኽድሕኑ ለሚኑሎም ጥራይ ዘይኮነስ ምኽንያት’ውን ሂቡዎም እዩ “ዚገብሩዎ ኣይፈልጡን እዮም”። እቶም ንነብሶም ዘይፈረሑላ ንበርባን ክፍተሓሎም ዝኣዘዙ እሞ ኸኣ ዓው ኢሎም “ደሙ ኣባናን ኣብ ደቅናን ይኹን” (ማቴ 27፡25) ዝበሉ። እዚ ገንሸል ግን ንኽመሓሩ ለሚኑሎም። እግዚኣብሔር ኣምላኽናስ ከመይ ዝበለ ፍጹም ፍቕሪ ኣለዎ፡ ጎይታናን መድሓኒናን ኪኽንኖም ኣይሓለነን፡ ኣብኦም ዘሎ ሕማቕ ነገር ኣይራኣየን። ምሉእ ፍቕሪ እዩ ሂቡዎም። ክድሕኑ ክመሓሩ ናብ’ቲ ቅዱስ ስፍራ ቅዱሳን ክኣትው ጸለየሎም። እዚስ ሰኣን ፍልጠቶም እዮም ዝበሎ።
ንሕና ከም ደቂ ሰባት ግን ክንሓስቦ ከሎና ርህራሀ ዘይብሉ ጭካነ ሰብ ዘይፈትዎ ስራሕ ናይ ኣረሜን ንብሎ። ከምዚ እናበልና ግን ሕሜታ፡ ቅንኢ፡ ሓሶት፡ ትህኪት ኩሉ ሕማቕ ዘበለስ ኣሎና። ብዘይጥርጥር ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብግብሪ ንጸላእትና ከመይ ጌርና ከም ነፍቕር ኣርእዩና እዩ። ኣብ ማቴ 5፡44 ከም ዝበሎ ” ኣነ ግና እብለኩም ኣሎኹ፡ ጸላእትኹም ፍተዉ፡ ንዚረግሙኹም መርቑ። ውሉድ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኽትኮኑ፡ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ እሞ፡ ንዚጸልኡኹም ጽቡቕ ግበሩ፡ ስለቶም ዚጸርፉኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ።” ብልክዕ ኣተግቢሩ እዩ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ኣዚዙና። “ጸላእትኹም ኣፍቕሩ” (ማቴ 5፡44) ዝብል ትምህርቲ ብተግባር ምሂሩና። ብዘደንቕ ኣርኣያነት ከኣ ንጸላእቱ ንኽመሓሩ ዝጸለየ። ክቡራት ህዝበ ክርስትያን “ኦ ኣቦይ… ሕደገሎም” ዝብል ሓይለ ቃል
ኣብ መዓልታዊ ሂወትና እንተደጋገምናዮ ነቲ ጎይታና ዝዓደለና ሰናይ ተግባርን ፍቕርን ንካፈል፡ በርኸት ከኣ ንቅበል።
ብሓቂ ኣብዚ ውዕለት’ዚ እንተዘየወዓለና እሞ ጸላእትና እንተዘይኣፍቐርና ምሕረት ኣንተዘይለመናሎም በየን ኣቢሉ’ዩ በረኸቱ ክዕደለና
ወይ ከኣ ሰናይ ተግባራት ኣይገበርናን መንገዲ ጎይታናን መድሓኒናን ኣይተኸተልናን ማለት እዩ። ናይ ክርስቶስ ቤተ-ሰብ ጎይታናን
መድሓኒናን ኢየሱስ ክርሰቶሰ ምሕረት ዝሃበና ንኻልእ ንኽንምሕር ጸጋ ምሕረቱ ንኽንረክብ እዩ።
ግብሮም ምስ እንዝክር’ውን ብንጹህ ሕልና፡ “…ዚገብሩዎ ኣይፈልጡን
እዮም እሞ ሕደገሎም” (ሉቃ 23፡34) ክንብል ኣሎና። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዕዳና ከፈለልና ሓጥያትና ደምሰሰ ስለዚ ኸኣ እዩ ኣብ ቀራንዮ ምእንታና ሓጢኣት ንዘይብሉ ፍጹም ገንሸል በጃ ሓሊፉ። በጃ መን፤ በጃ ሓጥኣንን ጻድቃንን፡ በጃ ዝሰቀልዎን ዘፍቕርዎን፡ በጃ ኩሉ መከራ መስቀል ተቀቢሉ። ምኽንያቱ “ግናኸ ምእንትዚ ናብዚ ሰዓት እዚኣ መጻእኩ” ይብል ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ (ዮሓ. 12፡27)።
ነዚ ድሕነት ዝተቀበሉ ሓደ ቅዱስ ለንጊኖስ ክጥቀስ ይከኣል። ንጎይታናን መድሓኒናን በኹናት ዝወግኦ እዩ (ዮሓ. 19፡34) ። ንቁሩብ እሞ ነስተውዕል ኣሕዋተየ ጎይታ መሓሪ ስለ ዝኾነ እዚ ወተሃደር’ዚ ቅዱስ ለንጊኖስ ክበሃል በቒዑ። ብሓቂ ጻድቕ ምዃኑ መስኪሩ’ዩ (ሉቃስ 23፡47) ። ቅዱስ ለንጊኖስ ብመጀመርያ ጎድኒ ጎይታናን መድሓኒናን ምስ ወግኦ ብሓቂ ጻድቕ ምዃኑ ምስ መስከረ ናብ ሃዋርአት ከይዱ ብዛዕባ እምነቱ ገለጸሎም እምነቱ ኣረጋጊጾም እቲ ዝድለ ምስ ገበሩሉ ኣብ ቀጰዶቅያ ወንጌል ይሰብኽ ነበረ። በዚ ዝተቖጥዑ ኣይሁድ ከኣ ብሓሶት ብምኽሳስ ርእሱ ከምዝቑረጽ ገበሩ። ርእሱ ንበይና ንኢዮርሳሌም ወሰድዋ። ኣብ ኢዮርሳሌም ዝነበሩ ኣይሁድ ምስ ረኣይዋ ተሓጎሱ። ካብ ኢዮርሳሌም ኣውጺኦም ኣብ ሓደ ኩርባ ቀበርዋ። ድሕሪ ብዙሕ መዓልታት ኣብ ቀጰዶቅያ ብስብከት ለንጊኖስ ዝኣመነት ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ነበረት፡ ካብቲ ርእሱ ዝቖርጹሉ ጀሚራ ኣብቲ ኣብቲ ዝተቖርጸሉ ቆይማ ስሊኡ ትበኪ ዝነበረት። ብፍቓድ እግዚኣብሔር ከኣ ኣዒንታ ዓወራ፡ ኩሉ ክገብር ዝከኣሎ እግዚኣብሔር ይመስገን። ድሕሪኡ ምናልባት እንተ ሓወኹ ኢላ ናብ ቅዱሳት ቦታን ጎይታና ዝተቐብረሉን በጺሓ ንኽትባረኽ ንኽትለምን ተበገሰት። ኣብ ኢዮርሳሌም ምስ በጽሐት ከኣ ወዳ ሞተ መሪሑ ዘብጽሓ ስኢና ኸኣ ኣምሪራ በኸየት ካብ ብርቱዕ ሓዘን ዝተላዕለ ኸኣ ደቀሰት። ብሕልሚ ከኣ ቅዱስ ለንጊኖስ ምስቲ ዝሞተ ወዳ ተራእያ፡ ናብ እገሌ እተባህለ ቦታ ኼድኪ ርእሰይ ውሰዲ በላ። ካብ ድቃሳ ምስ ተበራበረት ከኣ በቲ ቦታ ሓተተት እቶም ሰባት ከኣ ኣብቲ ቦታ ኣብጽሕዋ። ኣብቲ ቦታ ክትኩዕት ምስ ጀመረት ብጣዕሚ ጥዑም ጨና ወጸ። ኣብታ ርእሲ ዘላታ ምስበጽሐት ከኣ ዓቢ ብርሃን ተገለጸላ ኣዒንታ ኸኣ ረኣያ ንእግዚኣብሔር ከኣ ኣመስገነት። ናይ ወዳ ስጋን፡ ርእሲ ቅዱስ ለንጊኖስ ንሃገራ ወሲዳ ብኽብሪ ኣብ ጽቡቕ ኣንበረቶም። ክብሪ ንኣምላኽና፡ በረኸት ቅዱሳን ከኣ ኣይፈለየና ኣሜን!!!
ካልኣእ ኣብነት በረኸት እዚ ቅዱስ ቃል ““…ዚገብሩዎ ኣይፈልጡን
እዮም እሞ ሕደገሎም” (ሉቃ 23፡34) ዝተቀበለ ቅዱስ ሳውል የማናይ ኢድ ንጉስ ድቕልያኖስ ዝነበረ ግ.ሓ 8፡3 “ሳውል ግና ነታ ማሕበር የጥፍኣ ናብ ኣባይቲ እናኣተወ ሰብኡትን ኣንስትን ሰስሒቡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ያኢትዎም ነበረ”። ኣብ ምቅታል እስጢፋኖስ ከምዝሰመረ ኣይንስሕቶን ኢና። ሳውል ብሕሱም ጨካነ ንቤተክርስትያን ዘሳጉግ ዝነበረ እዩ። ዝገብሩዎ ኣይፈልጡን እዮም ዝበሎ ጎይታ ብዘደንቕ ስርሑ ዓይኑ ኣብርሃሉ፡ ሕሩይ ኣቕሓ እግዚኣብሔር ውን ለወጦ። ጳውሎስ ሓዋርያ ኮይኑ ብትብዓት ቃል ጎይታ ሰብኸ። በዛ ዓለም ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ “ኦ
ኣቦይ ዚገብሩዎ ኣይፈልጡን
እዮም እሞ ሕደገሎም”
እንተ ዘይብል
ነይሩ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ጸጋ ዚ ምረኸቦ ዶ፤
“ኦ
ኣቦይ . . . ሕደገሎም”
ሕነ ምፍዳይ
ኣይናተይን እዩ፡ ሕማቕ ብሕማቕ ክመልስ ኣደልን እየ። ዝሰቀሉኒ “ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳሎኹልኩም ኣብቲ ኣነ ዘሎኹዎ ንስኻትኩምውን
ኣብኡ ምእንቲ ኽትኮኑስ ተመሊሰ ኽመጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ” (ዮሓ 14፡3) ።
“ኦ
ኣቦይ . . . ሕደገሎም”
ዝብል ህያው
ቃል ምሕረት ንኹሉ ማለት ኣይኮነን። ክልተ ኣገደስቲ ነዚ ምሕረት ዘውህባ ነገራት ኣለዋ። ብዘይብአአን ከኣ ስርየት ሓጥያት ከቶ
የልቦን። ንሳተን ከኣ ብስቡር ልቢ ምንሳሕን ብበደልካ ምእማንን እየን።
ኦ ኣቦይ ነቶም ብበደሎም ዝኣመኑን ዝተናሰሑን ሕደገሎም። “ንወዱ በጃ
ክሳዕ ዝህብ ክንድዚ
ንዓለም ኣፍቀራ” (ዮሓ
3፡16) ይብል ቅዱስ ቃሉ። ፍጹም ፍቕሩ
ንኹሉ፡ ቦኽሪ ወዱ ውን ንኹሉ በጃ ሃበ። ኩሉ ዓለም ድሒኑ ዲዩ፤ ኣይደሓነን! ከመይ! ዮሓ 3፡16 “ኣምላኽ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ
ኹሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ ንወዱ
በጃ ክሳዕ ዝህብ
ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ”።
ሂወትና ከመዚ ዝኣመሰለ ለውጢ የድልዮ ኣሕዋት። ፍቕሪ ጎይታና ጸጋ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩልና ይኹን። ኣሜን።
2. “Assuredly,
I say to you, today you will be with me in Paradise” (Luke 23:43)
“ሎሚ
ኣብ ገነት ምሳይ
ከም እትኸውን ብሓቂ
እብለካ ኣሎኹ”
3. “Woman,
behold your son….. Behold your mother”
(John 19:26&27)
“ኣቲ
ሰበይቲ! እንሆ ወድኺ…..
እንሃ ኣዴኻ”
4. “My
God, why have you forsaken me?” (Matt 27:46)
“ኣምላኸይ!
ኣምላኸይ! ንምንታይ ሓደግካኒ፡”
5. “I
thirst” (John 19:28)
“ጸማእኩ”
6. “It
is finished” (John 19:30)
“ተፈጸመ”
7. “Father,
in to your hands I commit my Spirit” (Luke 23:46)
“ኦ
ኣቦይ! ንነፍሰይ ኣብ
ኢድካ ኣማዕቁባ ኣሎኹ”
ቃለ ህይወት የስምዓልና ናይ ኣገልግሎት ዕድሜኹም ይባርኸልና ፡ በርትዑ ኣጆኹም ወላዲተ ኣምላክ ምስ ኩልና ትኹን ፡ ኣሜን .
ReplyDelete