Thursday, May 26, 2011

ምስላ ብእንስሳ

+ በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
ጎይታናን መድሓኒናን ንሃዋርያት ክልእኾም እንከሎ ማቴ 10፡16-*እንሆ ከም ኣባጊዕ ኣብ ማእከል ተዃሉ እሰኩም ኣኹ፡ለዋሃት ከም ርግቢ ጎርሓት ከም ተመን ኩኑ በሎም*። ጎይታናን መድሓኒናን ኣብዘን ሓጸርቲ ቃላት ብዙሕ ትምህርቲ ምሂሩና’ዩ፡ ንሎሚ ኽኣ እግዚኣብሔር ብዝፈቐዶ ቁሩብ መብርሂ ክንጽሕፍ፡ እግዚኣብሄር ይሓግዘና!!
 
ከም ኣባጊዕ ኣብ ማእከል ተዃሉ ፡- በጊዕ ለዋህ እዩ፡ ቶኽላ ኽኣ ጨካን፡ ንሃዋርያት ናብ ዓለም ክልእኮም እንከሎ ኸኣ ዓለም ከም ቶኽላ መሲልዋ። ቶኽላ ኣብ መንጎ ኣባጊዕ ክሃድን እንተ ደልዩ በጊዕ መሲሉ፡ ሳዕሪ ዝበልዕ እናመሰለ ይቐርበን፡ ሳዕሪ ዝበልዕ መሲሉወን ከይፈርሃ ሃዲአን ከለዋ ይሕወሰን፡ ምስደለዎ ኽኣ ሓንቲ ይወስድ’ሞ እተን ካሌኦት ፋሕ ይብላ፡ ዓለም ክኣ ግብራ ነዚ ስለትመስል ጎይታና ብቶኽላ መሲሉዋ (ክሳብ ተውድቐካ ንዓኻ መሲላ ትጽግዒካ’ሞ ብሕማቕ ኣዋድቓ ተውድቐካ)
መብዚሕትኡ ግዜ ኣብ ክሕደት ኣምላኽካ ፣ ኣብ ትዕቢት፣ኣብ ሃብቲ ፣ ኣብ ስልጣን። በዚ ዝወድቑ ኽኣ ማእለያ የብልምን!!
    ቶኽላ ንሃድን ክወጹ እንከለዉ ነታ ግዳይ እናተባራረዩ ኣድኪሞም ከምዘውድቕዋ ዓለምና ኽኣ ዜተፈላለየ ሽግራት እናምጽአት እቲ ወዲአ ኽትብል እቲ ሓደ አና’ስዓበት ፈጣሪኻ ክሳብ እትኽሕድ'ያ ትፈታትነካ ብኹለ እንተሰነፍካያ ኽኣ ንዓኻ ንምውዳቕ ዕረፍቲ የብላን! ክንፈሌጦ ዘለና ግን ዓለም ትብሃል ዘላ እቶም መሳርሒ ሰይጣን ዝኾኑ ደቂ ሰባት ምዃኖም’ዩ!!   
ጎይታና ኽኣ ክፋእ ቶኽላ ክገልጽ እንከሎ ማቴ 7፡15 ካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑ ብውሽጦም ዚምንጥሉ ኽንሶምሲ ክዳን በኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዝመጽኹም ይብለና!! ቶኽላ ሕጺር ብዝበለ ዘይጸዓረሉ ዝበልዕ፡ ክሳብ ዜጥዕሞ ንኣኻ መሲሉ ዜጓዓዝ፡ኢልካ ኽትጠቕሶ ትኽእል። በጊዕ ኽኣ ጓስኣ ብዝመርሓ ትጓዓዝ፡ ንጓስኣ ዘይተሸግር፡ ካብ ድልየት ጓስኣ ወጺኣ
በትሪ ጓስኣ እንተ ወረዳውን ዘይተማርር (ተመሊሳ ቦትኣ ትሕዝ’ምበር ክፍ ክጠፍእ ዘይትብል)። ብዓቕሚ ደቂ ሰብ ክትግምቶ እንከለኻ ከቢድን ዘይውጻእን’ዩ!! ኣባጊዕ ኣብ ማእኸል ተዃሉ፧ ዘገርምዩ! ጎይታ ግን እታ መገዲ ኽኣ ሓቢርዎም ለውሃት ከም ርግቢ ጎርሓት ከም ተመን ኩኑ! ርግቢ ለዋህ’ያ፡ ኣብ ደቅሰብ እተውርዶ ጉድኣት ክኣ የን፡ ርግቢ ዝወረደ እንተ ወረዳ ገዝኣ ሓዲጋ ኣይትኸይድን’ያ፡ ገዜኣ እናጸገነትያ ትነብር! ናትና ቤት ከኣ ቤተክርስትያና’ያ ጎይታና ኽኣ ብዜኾነ ኣጋጣሚታት ክንገድፋ
ከም ዘይብልና ንኽሕብረናዩ ርግቢ ብምሳል ኣቕሪብዋ፡ ርግቢ ውሊዳ ካብ ኣፋ ብትህቦም ፍረ ከም’ተዕብይ ፣ መጀመርያ ንሃዋርያት መቐጸልታ ኽኣ ንኹሉ ክርስትያን ካብ ኣፉ ሂወት ዜህብ ቃላት ንኸነውጽእ’ዩ! ብምሳለ ኣቕሪቡሌና!! 
ጎርሓት ከም ተመን ኩኑ፡ እዚ ኣበሃህላ ክትሰምዖ ከለኻ ተመን ከብሃል ከሎ ነብስኻ ከምገ ይገብረካ፡ ክፉእ ምዃኑ ስለ ንፈልጦ፡ ካብ ክፉእውን ነቲ ጽቡቕ ጎኑ መርሚርካ ክትጥቀመሉ ጽቡቕ ሰለ ዝኾነ ጎይታ ጎርሓት ከም ተመን ኩኑ ኢሉና!! ተመን ማይ ኽሰቲ እንከሎ መርዙ ኣውጺኡ እዩ ዜሰቲ ንዒና ኽኣ ቃል ኣምላኽ ክትሰምዑ እንከለኹም ስጋሁ ወ ደምሁ ክትቅበሉ እንከለኹም ኣብ ሽጥኹም ዘሎ ቂምታ ከፋእ ኣንጺህኩም ተቐበሉ!
እንተ ዘይኮነ ከምቲ እቲ ተመን ምስቲ ዘዳለዎ መርዙ ማይ እንተ ሰተየ ንሞት ዜኾኖ ንዓኹምውን ንሂወት ኣይኮነኩምንዩ ማቱ’ዩ!! ተመን ብጽሓይ (ብ ብርሃን) ይንቀሳቐስ፡ ንሕና ኽኣ ከምቲ ጎይታና ኣነ ብርሃን ዓለም’የ ከምዝበ ብጎይታና ጸኒዕና ክንመላለስ፡ ማት ከምቲ እቶም ከፉኣት ግብሮም ከፉእ ሰለዝኾነ ግብሮም ንኸይፍለጥ ብሕቡእ ብጸላም ክገብርዎ እፈትዉ! እቶም ቂ ብርሃን ግን ግብሮም ቅኑዕ ስ ዝኾነ ብብርሃን’ዮም ዜገብርዎ ዝበለና ብብርሃን፡ ብቕንዕና፡ብፍቕሪ፡ ብሓድሕዳዊ
ሓሌዮት ኮታ ኩሉ ጽቡቕ መገድና ጌርና ክንጕጓዝ ከምዝግብኣና ንኽምህረና ’ዩ። ተመን ጸላኢ (ሰብ) ምስዝረኽቦ ቀዲሙ መጸግዒ ሒዙ'ዩ ዝጽበ ጎይታና ኽኣ ጸላኢኹም ንኽትስዕርዎ መጸግዒ ይሃልኹም ይብና፡ እግዙኣብሄር ክኣ ብዙሕ ጸላኢና ክንስዕረሉ እንኽእል መጸግዒ ሂቡናዩ! እታ ቐንዲ ኽኣ አዴና ድንግል ማርያም እያ! ሕጽር ብዝበለ ጽዮን ማለት መጸግዒ ማለት እዩ፡ ካብ ሰብ ክኣ እታ ኣምላኽና ዜሓረያ መዕረፊቱን መጸግዒቱን ኣዴና ድንግሌ ማርያም’ያ!! ጸግዒን ጽላልን የብዝሓልና ኣሜን!!
ተመን መጸግዒ ኣብዘይብሉ ምስ’ትረኽቦ ግን ርእሱ ይሓብእ’ሞ ጸላኢ ወቒዑ ርእሱ ከይረኸቦ ምስዝገድፎ ርእሱ ስለ ዘይተረኽበ ይትንስእ፡ ጎይታና ካብዚ ክምህረና እንከሎ ዝወረደ አንተ ወረደኩም ክርስትናኹም ኣሕሉፍኩም ኣይትሃቡ ማለቱ’ዩ! ሃዋርያ ጳውልስ ኣብ መልእኽቱ ርእሲ ሰበይቲ ሰብኣይ፡ርእሲ ሰብኣይ ክርስቶስ፡ ርእሲ ኽርስቶስ ኣምላኽ ይብና፡ ስለዚ ርእስኹም ኣይትሃቡ ማቱ ክርስትናኹም ኣይትሃቡ ማለቱ እዩ!!
ኩሉ ኣብ ቅድሜና ዜግበር ዘሎ ክርስትና ነምጥፋእ’ዩ፡ በቲ ዘጋጥም ፈተነታት ወዲቖም ዘለዉ ብዘሓትዮም፡ ድሕነት ይፍጠረሎም!  እዚ ጽሑፍ እዚ ኽኣ እቶም ዘይወደቕና ንኸይንወድቕ እቶም ዚወቑ ኽኣ ናብ ድሕነት ንኽምለሱ ይጽሓፍ አሎ’ሞ ነስተውዕል ካብዚ ንላዕሊ ትምህርቲ ምስ’ንደሊ ኽኣ ኣብ ቀረባና ዘለዉ ኣቦታት ንወከስ!  

ክቡራን ህዝበ ክርስትያን እግዚኣብሄር ንሰብ ብመሌክዑ ክፈጥሮ እንከሎ ካብ ግብሪ ኣምላኽ ተማሂሩ እቲ ዝተመበሉ ሃብቲ መንግስተሰማያት ክወርስ’ዩ ነይሩ፡ ሰብ ግን ናይርእሱ መንገዲ ስሰዘመረጸ ብእንስሳ ክሳብ ዝምሃር ደንቆሮ ኾነ። 
     ዘለናዮ ግዜ ምሉእ ኣገልግሎት ክትረኽበሉ’ትኽእል ስለዝኾነ ኣብ ኢንተርነት ወይ ካሌእ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ዘሕልፋ ማዕከናት እና ሰማዕና ኣቦታት እናሓተትና ንጠቐመሉ፡ መኽንያቱ ኩሉ ብዛዕባ ሃይማኖት ዝዛረብ ሃይማኖታዊ ማት ኣይኮነን ኩሉ ብፍሪኡ’ዩ ዝልለ!! ኣቦታትና ብዘዳልዉልና ትርጓሜ መጻሕፍቲ እናተጠቐምና ሚስጥር መንግስቲ ኣምላኽ ፈሊጥና በታ ጸባብ በገዲ እናተጓዓዝና ኣብቲ ጎይታና ዘዳለወልና መንግስተ ሰማያት ዘብጽሓና ፍረ ንግበር። 


ወስብሓት ለእግዚኣብሔር ልዑል 
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!! 

መቃርስ ወ መቃርዮስ ( 13 መጋቢት )

+ በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!  
እግዚኣብሄር ይመስገን ፈጣሪናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ንኽንድሕን ክንደይ ምልክትን ተኣምራትን ዘይገበረፈጣሪ
ንምንታይ ከምዝፈጠረና ስለ ዝፈልጥ  ክንጠፍእ ኣይሓድገናን’ዩ፡ ንሕና ደቂ ሰባት ግን ከነስተውዕል ኣይክኣልናን፡ እቶም ድሕነት ረኺብና ንብል ክርስትያን ክኣ ካብቶም ዘይኣመንቲ ከፊእና! ምኽንያቱ እቶም ዘይኣምኑ ክፈልጡውን ስለዘይደልዩ ከምቲ ጎይታናን መድሓኒናን ዝበሎ ድሮ ተፈሪድዎም ኣሎ! ንሕናግን እቶም ተቐቢልናዮ ከነብቅዕ በቲ መገዱ ዘይንጓዓዝ ካብቲ ናቶም ዝኸፍእ ፍርዲ ይጽበየና ኣሎ። ኣይተነገረናን ከይንብል ተነጊሩናዩ፡ ኣይሰማዕኹን ከይንብል ንኸይንሰምዕ አእዛና ስለ ዝዓጸና፡ ማለት ቤተክርስትያን ክንመላለስ ኣይንፈቱን፡ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ከነንብብ ኣይንፈቱን፡ ድምጺ መምህራን ክንሰምዕ ዓቕሊ የብልናን፡ ክንሓትት ኣይንፈቱን፡ ካልእን ነየናይ ጠቒስካ ክውዳእ። ጎይታናን መድሓኒናን አብዚ መዓልቲ እዚ (13 መጋቢት) ካብ ዝገበሮ ትምህርትን ተኣምርን ከምዚ ስዒብና ነንብቦ ይመስል፡
ንምሉእ ትሕዝቶ መጽሓፈ ስንክሳር 13መጋቢት ንመልከት፡ ኣምላኽናን መድሓኒናን ስለቲ ምእንታና ዘፍሰሶ ደሙን ከም ብዝሒ ምሕረቱን ምስትውዓል ይሃበና ኣሜን!!
    መጋቢት 13 ክልተ ኣቦታት (መቃርስ መቃርዮስ) ካብ ገዳሞም ዝተሰደድሉን ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ንቦትኦም ዝተመለስሉን ዕልትዩ፡ ኣብ መንግስቲ ሮም ድሕሪ ንጉስ ዋልጥስ ሓዉ ዓሊጢኖስ ምስነገሰ ተኸታሊ ኣርዮስን ርኹስ ማኒን ስለ ዝኾነ ኣብ ኦርቶዶክሳውያን ስደትን መከራን ኣስዓበ። ኣብ እስክንድርያ ንሉክዮስ ዓቢ ኣቦ ኣባ መቃሪን እስክንድሪያዊ ኣባ መቃርዮስን ደልዩ ብትእዛዝ ንጉስ ካብ ገዳሞም ናብኡ ኣምጽኦም። ብልስሉስን መዓሸውን ኣዘራርባ ኣብ ዝረኸሰ ናይ ኣርዮስ ሃይማኖት ክኣምኑ ሓተቶም፡ ንሶም ግን ከይፈርሁ ብቕንዕናን ትዕግስትን መኸርዎን ገሰጽዎን፡ ናይ ኣርዮስ ሃይማኖት ኮንትነትን ናይ ባህሉ ክፍኣትን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣረድእዎ። በዚ ተቖጢዑ ኸኣ ካብ ቆስጠንጥንያ ርሕቀት ዘለዎ ደሴት ኣግኣዞም። ብሓጺን ኣሲሮም ኸኣ ኣብታ ደሴት ኣብጽሕዎም። ኣብታ ደሴት ምስበጽሑ ኣበ ቅድሚ ንጉስ
ኣቕረብዎም፡ እቲ ንጉስ ኸኣ ኣብ ሰይጣን ዘምልኽ ኣዝዩ ክፉእ ነበረ። አቶም ኣብታ ደሴት ዝነብሩ ህዝቢ ኣምላኽ ኢሎም ክሳብ ዝሰግድሉ ብስራዩ የስሕቶም ነበረ። እዞም ቅዱሳት ኣቦታት ካብ ጌግኡ ክምለስ መሃርዎን ለመንዎን፡ ንሱ ግን ብስቓይን ማእሰርትን ኣጋፍዖም። ጎይታናን መድሓኒናን ኸኣ ብግልጺ ዘጸናንዖምን ዘዐግስምን ኮነ፡ ናይ ክብሪ ጎይታ ክብሮም ክገልጽ ምስደለየ ኸኣ ንጓል ንጉስ ሰይጣን ሓዛ፡ ኣቦኣን ኣዲኣን ክሳብ ብርቱዕ ሓዘን ዝሓዝኑ ኣሳቐያ፡ ኣብ ከተማ ሰይጣውንቲ ተገሊጾም መቃርስን ብጻይካን ንሕና ምሳኹም ንስኹም ምሳና እንታይ ኣለኩም፧ ካብ ሃገርኩም ዝሰጎግኩምና እናበሉ ከዕገርግሩ ጀመሩ፡ እቲ ኣብ ጓል ንጉስ ዝሓደረ ሰይጣን ኸኣ ንንጉስ መቃርስን ብጻዩን እንተዘይመጺኦም ካብ ጓልካ ኣይወጽእን በሎ።ንጉስን ምስኡ ዝነበሩን ብምግራም ነቶም ቅዱሳን ናብንጉስ ኣምጽእዎም። ቅዱሳን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ምስበጽሑ ኣብታ ጓል ንጉስ ዝሓደረ ሰይጣን ከይሳቕይዎ ለመኖም። ንጉስን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ኸኣ ንቕዱሳን ብዛዕባ ስርሖም መርመርዎም ቅዱሳን ክኣ እቲ ዝኾነ ኩሉ ነገርዎም። ነታ ጓል ንጉስ ከሕውይዋ ምስለመንዎም ኸኣ እቶም ቅዱሳን ነቲ ንጉስ ንስኻ ሰብ እንከለኻ ንምንታይ ርእስኻ ኣምላኽ ትገብር፧ ዓለም ዝፈጠርካ ኣምላኽ እንተ ትኸውን ርእስኻን ጓልካን ምድሓን ይግብኣካ ነይሩ ክብሉ ገሰጽዎ። ኣብ ክቡር ጎይታናን መድሓኒናን ብምጽላይ ኻአ ነቲ ኣብ ጓል ንጉስ ዝሓደረ ጋኒን ኣውጽእዎ። እቲ ጋኒን ምስወጸ ነቲንጉስን ነቶም ናይታ ደሴት ነበርትን
ዘለፎም። ንጉስን እቶም ኣብኡ ዝተኣከቡን ርእዮም ብናይዚኦም ኣምላኽ ንኣምን ካብናይዞም ቅዱሳን ኣምላኽ በጀካ እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ ካልእ ኣምላኽ ከምዘየለ ተረዲእና እናበሉ ጨደሩ። ክቡራት ኣቦታት ብኽቡር ጎይታ ምእማን ምሃርዎም፡ ንኹሎም ሕሙማት ኣኪቦም ኣቦታት ኣብ ዘይቲ ጸሊዮም ብመስቀል  እና ኣማዕተቡ እናቐብኡ ሕሙማትን ኣጋንንቲ ዝሓደርዎምን ንኹሎም ኣድሓንዎም፡ ከምዚ እናገበሩ እናምሃርዎም ኸኣ ንብዙሕ መዓልታት ነበሩ። እቶም ህዝቢ ተኣምራት ርእዮም ተማሂሮም ብጎይታ ምስኣመኑ ዝነበረ ቤት መቕደሶም ኣፍሪሶም ቤተ ክርስትያን ሃነጹ። እቲ ንጉስ ኸኣ ብዙሕ ወርቅን ብሩርን ናይ ሃሪ ኣልባስን ንቤት እግዚኣብሄር ዘድልዮን ኩሉ ኣምጽአ። ህንጻ ቤተ ክርስትያን ሰሪሖም ምስወድኡዝተረፈ ገንዘብ ንድኻታትን ሽጉራትን ሃብዎም።
   11 ጥሪ ጎይታናን መድሓኒናን ዝተጠምቀላ መዓልቲ ምስ ኮነ ኸኣ ቅዱሳን ኣቦታት ነቶም ህዝቢ ናብቲ ባሕሪ ክእከቡ ኣዘዝዎም፡ ቅዱሳን ካብ እስክንድርያ ክስደዱ እንከለዉ እግረመገዶም ዝተማልእዎ ቅዱስ ሜሮን ካብ ግዜ ኣቦና አትናቴዎስዝ ተሓለወን፡ ሉክዮስ ዘይረኸቦን ኩሉ ዘመናት ብጎይታ ተሓልዩ ጥፍኣት ዘይረኸቦን ተማኦም ስለዝነበሩ ኣባ መቃሪ ነቲ ባሕሪ በቲ ክቡር ሜሮን ባረኾ፡ እቲ ባሕሪ ኸኣ ብብርቱዕ ሓዊ ኣብ ድስቲ ከምዝፈልሕ ኮነ። እቲ ዘይትን ሜሮንን ኣብቲ ማይ ሰፈፍ አናበለ ከምዘብርሁ ከዋኽብቲ ኮይኖም ካብኡ ኽኣ ዓቢ ብርሃን ከም ጽሓይ ተራእየ። እቲ ንጉስን ዝተኣከቡ ህዝብን ፈርሁ፡ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶሰ ኸኣ ተገልጸ። ዮሃንስ መጥመቕን ቅዱሳን መላእኽትን ኸኣ እቲ ማይ ኣብ ዝኽብረሉን ዝቕየረሉን ተገልጹ፡ ክሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ተጠምቁ። ሽዑ ኸኣ ካብ ኩሉ መኣዛ (ጨና) ዝጥዓመ ጨና ኾነ። እዚ ምስኮነ ክቡራት ኣቦታት ኣብ መሬት ተደፊኦም ሰገዱ፡ ደንጐዩ ኸኣ፡ ኣባ መቃርስ ኸኣ ናይዚ ታቦትን ንዋየ ቅዱሳትን ባርኾት ብኣምላኻዊት ኢድካ ክትከውን ብምሕረትካ እልምነካ ኣለኹ ኢሉ ለመነ። ጎይታ ኸኣ ነቲ ሜሮን ካብ ኢድ
ኣባ መቃሪተቐቢሉ ታቦትን ንዋየ ቅዱሳትንባረኸ። ንኣባ መቃርስ ኸኣ ነዘን ሰለስተ ደርቢ ክትባርኸን እእዝዘካ ኣለኹ ኣነ ከኣ ምሳኻ’የ ኣብዚ ንጹህን ክቡርን ዝኾነ ኣገልግሎት ብጻይካ ኣባ መቃርዮስ ምሳኻ የገልግል።  መጀመያ እቲ ማእኸላይ ብስጋ ንዝወለደትኒ ብድንግል ማርያም ፈሊኻ ኣኽብሮ(ባርኮ)፡ እቲ ብየማን ወገን ዘሎ ብኽቡር መስቀለይ ኣኽብሮ(ብርኮ)፡ብጸጋም ዘሎ ብስምካ ኣኽብሮ(ባርኮ) ኣብ ቅድሚ ክሓዲ ሉክዮስ ስለ ስመይ ኣብዚ ደሴት ደምካ ኣፍሲስካ ኢኻ። ከምቲ ጎይታ ዝኣዘዞም ክገብሩ ምስጀመሩ ንጉስ ዳዊት ብመዝምሩ ከመስግን ጀመረ መልኣኽቲ ኽኣ ብቛንቁኦም ከመስግኑ ጀመሩ፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ ብምግራም ንእግዚኣብሄር ኣመስገኑ። እንደገና ንኣባ መቃርስ መስዋእቲ ተሰኪሙ ኣብቲ መሰውኢ ክቕድስ ኣዘዞ ኣባ መቃርስ ኸኣ ናይ ሃዋርያት ሓለቓ ጴጥሮስ ክቕድስ ኣዝዝ፡ እዛ ዕለት እዚኣ እዚኣ ብኽቡር ስምካ ኣብዛ ደሴት እዚኣ ንመጀመርያ ግዜ መስዋእቲዝተሰውኣላ’ያ በሎ። ጎይታ ኽኣ ኣብ ወዲ መዝሙረይ ጳውሎስ ሓዲረ ዝተዛረብክዎ ኣየስተውዓልካንዲኻ፧ድዘርአን ዝደኸመን ኣቐዲሙ ፍሪኡ ይበልዕ ዝበልክዎ! ንስኻ ኣብዛ ደሴት ዘሪእኻ ኢኻ ኣነ ኸኣ ኣዕቤካ። ኣባ መቃርስ ብ ጎይታ ተባሪኾም ቅዳሴ ምስጀመሩ ምስ እስክንድርያዊ መቃርዮስ ክትሓጋገዝዎ ሃዋርያ ጴጥሮስ ብየማኑ፡ ወንጌላዊ ማርቆስ ብጸጋሙ፡ ኩሎም ሃዋርያት
ኸኣ ከበብዎም፡ ጳውሎስን ዮሃንስን ነናይ ገዛእ ርእሶም መልእኽቲ ኣንበቡ፡ ሉቃስ ኸኣ ካብ ግብረ ሃዋርያት ኣንበበ፡
ዳዊትውን መዝምሩ ዘመረ፡ ክቡር ጎይታ ኽኣ ወንጌሉ ኣንበበ። መንፈስ ቅዱስ ኽኣ ብኣመሳለ ጻዕዳ ርግቢ ኣብ ልዕሊ ሕብስቱን ወይኑን ወሪዱ ናይ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስጋን ደምን ለወጦ። ኣባ መቃርስ ኢዱ ኣብቲ ጽዋእ መሰእተወ ኢዱ ደም ጠልቅየ። ኩሎም ሰራዊተ መላእኽት ክኣ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣኽናፎም ዘርጊሖም ይሕግዝዎ ነበሩ። ቅዱሳን ምክኤልን ገብርኤልን ኩሎም ማሕበረ መላእኽትን ብ ኣምሳል ኣባ መቃርስ ኮይኖም ንህዝቢ ስግኡን ደሙን የቐብሉ ነበሩ። ድሕሪ ቁርባን ጎይታናን ፈጣሪናን ብኣምሳል ኣባ መቃርስ ኣብ ልዕሊ ወንጌል ዝንበበሉ ኣትሮስ ኮነ ገጹ ኽኣ ከም ጽሓይ ይበርህ ነበረ፡ ንህዝቢ ባሪኹ ኽኣ ናብቲ መሰውኢ ምስ ሃዋርያቱ ተመለሰ። እንደገና ድሕሪ 7 መዓልቲ ኣባ መቃርስ ምእንተ ናይ ቤተ ክርስትያን መዓርግ ሽመት ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ፡ ክቡር ጎይታ ኢየሱስ ኽኣ ተገሊጹ ነዚ ክብሪ እዚ ንዓይ ትበቅዕ ንስኻ ኢኻ በሎ። ኣባ መቃርስ ሰሚዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናበኸየ ከምዚ እናበለ ለመነ፡ ግዜ ምስ ኣኸለ ኣብ ሲሐት ዘለዉ ደቅኻ ካብ ስጋኻ ከይተፈለኻ ክመልሰካ’የ ዝበልካኒ ዘክር፡እንተዘይኮነ መቃርስ ስራሕ ምንኩስና ሓዲጉ ፓትርያርክ ኮይኑ ክብሉኒ’ዮም። ጎይታ ኽኣ ሕሩየይ መቃርስ ኩሉ ናይ ልብኻ ድሌት ክፍጽመልካ’የ፡ ግን ፓትርያርክ ክትሸይም ካብ ደቅኻ ዝመረጽካዮ ኣቕርብ በሎ፡ ኣባ መቃርስ ኻኣ ንስኻ ልቢ ዝሓሰቦ ኩሎ ትፈልጥ ኢኻ፡ ኣነ ግን ኣብቲ ጥበበኛ(ቀጥቃጢ) ሽማግለ ርኣኹ፡ ንሱ ኣብታ ቅንዕቲ ሃይማኖት(ኦርቶዶክስ) ዝጸንዐን ምስደቂ ኣንስትዮ ርክብ ዘይፈልጥን’ዩ በሎ፡ጎይታ ኽኣ ንስኻ ከምዝበልካዮ ግርም’ዩ በሎ።ቅዱስ መቃርስ ነቲ ጥበበኛ ጸዊዑ ኣብቲ ታቦት ሕጊ ኣቕረቦ፡ ወንጌላዊ ማርቆስ መጺኡ
ኢዱ ብምንባር ዲቁና ሸሞ፡ እንደገና ቅስና፡ እንደገና ሊቀ ጵጵስና፡ክሳብ ዝፍጽም ኽኣ በቢመዓርጉ ሸሞ፡ ስሙ ኽኣ ዮሃንስ ሰመዮ። ኩሎም ናይ ሰማይ መላእኽቲ ኽኣ ንዮሃንስ ሓድሽ ተኽሊ ናይ ማርቆስ ወዲ መቃርስ ሊቀ ጵጵስና ይግብኦ እናበሉ ሰለስተ ግዜ በሉ ኣብኡ ዝነበሩ ህዝቢውን ነቲ ቃላት ይሰምዕዎ ነበሩ። ጎይታ ኽኣ ዓይነ ልቦና ዮሃንስ ከፈተሉ፡ ብዝክኣሎ ኽኣ ንጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ርኣዮ፡ ብዙሕ ቃላት ክኣ ተዛረቦ፡ ቤተ መቕደስ ኽኣ ብሰራዊት ሰማይ ተመሊኡ ርኣየ። ክቡራት ሃዋርያትን ነቢያትን ኽኣ ኣብኡ ነበሩ። 
ድሕሪ’ዚ ክቡር ጎይታ ንኽቡር ኣባ መቃርስን እስክንድርያዊ ኣባ መቃርዮስን ጸዊዑ፡ ከምዚ ኸኣ በሎም ኣብ መሬት እንከለዉ ዝኽርኹም ዝገብሩ ብጹኣን እዮም፡ ናይ ዘልኣለም ሂውት ከምዝወርሱ ብርእሰይ እምሕል። ስለ ስመይ ዝተቐበልክሞ መከራ ብትግሃት ዝሓሰቦ፡ ዝጽሓፎ፡ ዝሰምዖ ኩሉ ንኸመስግን ኣብ ቤተክርስትያን ዘንብቦ ኣነ፡ ኩሉ ሰናይ ክህቦ’የ።ካብሰናይ ነገር ዝኾነ ኣይከልኦን’የ፡ ካብ ኩሉ መከርኡ ከድሕኖ’የ፡ ኩሉ ሓጥያቱ እቕረ ክብለሉ’የ። ካብ
ዓለም ኣብዝፍለየሉ ግዜ ነፍሱ ናብናይ ዘልኣለም ደስታን ሓጎስን ክወስድዋ ናብቲ ንስኻትኩም ትሓስብዎ መንግስተይ
ከእትውዎም ናይ ምሕረት መላእክት ክልእኽ’የ፡ ኣብ ገዳም ወይ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን፡ ወይ ኣብ ውሽጢ ሃገር እዚ ዜናኹም ኣብ ዝንበበሉ ክሓድር’የ፡ በረኸተይን ሰላመይንክሳብ መወዳእታ (ህልቀት)ዓለም ኣብ ውሽጣ ክገብር’የ፡ ነዚ ስደትኩም ዝጻረሮ ኽኣ እንተ ዘይውለድ ምስሓሾ። ብሓቂ እብለኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ከምዝተ ኣመንክሙኒ ኣብ ቅድሚ ሰማያዊ ኣቦይን ክቡራት መላእኽይን ክእመነኩም’የ። ሕጂ ግን ናብ ሃገርኩም ትምለስሉ ግዜ ኣኺሉዩ፡ እዚ ኢሉ ሰላምታ ሂብዎም ናብ ሰማይ ብኽብሪ ዓረገ።  
ድሕሪ’ዚ ህዝብን ንጉስን ኣኪቦም ንሃገሮም ከምዝምለሱ ሓቢሮም ኩሉ ሕጊ ክርስቶስ ክሕልዉን ንሊቀ ጳጳስ ክእዘዝዎን ካብ ቅንዕቲ ሃይማኖት ንየማን ወይ ንጸጋም ከይብሉ ብብዙሕ ምሕጽንታ ኣጠንቀቕዎም። ምስቲ ህዝቢ ኽኣ ብብኽያት ተሰናበቱ። ካብ ኩሩቤል ወገን ዝኾነ መልኣኽ መጺኡ ኽኣ በኽናፉ ተሰኪሙ ናብ እስክንድርያ
ኣብጺሑ ሰንበት ወጋሕታ ኣብ ኣፍደገ ሊቀ ጳጳሳት ኣውረዶም፡ ሊቀ ጳጳሳት ኣባ ጢሞቴዎስ ሰሚዑ ተሓጎሰ፡ ካልኣይ
ምስርኣዮም ኽኣ በኸየ ሰገደሎም ኽኣ ንሶም ኽኣ ሰገድሉ፡ ኩሉ ዝተገብረ ነጊረሞም ንእግዚኣብሄር እናኣመስገኑን እና’ድነቑን ን8 መዓልቲ ጸንሑ። ድሕሪኡ እቲ መልኣኽ ተገሊጹ በኽናፉ ተሰኪሙ ንገዳም ሰሒት ኣብጽሖም፡ ሓደ ኪሩበ ኽኣ ኣብ ኣየር ኮይኑ ደቂ ኣባ መቃርስ ኣቦኹም ፍረ መንፈስ ቅዱስ ተሰኪሙ ካብ ስደት ተመሊሱ ወጺእኹም ተቐበልዎ በለ። እዚ ምስሰምዑ ዓበይቶም ንኣሽቶም ኩሎም ወጹ፡ ቁጽሮም ክኣ ሓመሳ ሽሕ ኮነ። ካብኣቶም ኣባ ዮሃንስ ሓጺርን ኣባ ብሶይን ኣለዉ፡ ዝወረዶም ስቓይ ምስነገርዎም ኽኣ ኣእዳዉን ኣእጋሩን እናስዓሙ ኣምሪሮም በኸዩ። ገጹ ስለ ዝርኣዩ ኽኣ ተሓጐሱ ንሱ ኽኣ ብስም ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ባረኾም።
       ኣብ መላእ ዓለም ትርከቡ ናይ ክርስቶስ ወገን ዝኾንኩም ምእመናን በብዓመት ኣብዛ መዓልቲ’ዚኣ ባዓል እናገበርኩም ክትሕጎሱ ይግባእ፡ እዚ ኽኣ ከም ጴጥሮስን ጳውሎስን ስለ ክርስቶስ ደሞም ዘፍሰሱ ነዞም ተጋደልቲ ኣቦታት ናይ መከርኦም መዘከሪ እዩ። እዞም ኣቦታት ብ 13 መጋቢት ሉክዮስ ካብ እስክንድርያ ናብ ኣውሳናት ደሴት ኣግዓዞም። ብ 13 መጋቢት ኽኣ ናብ እስክንድርያ ተመልሱ። ብጸሎቶም ዝርከብ በረኸት ምስ ኩላትና ይኹን ኣሜን!!
ኩላትናዝፍለጥናዮ ከነፍልጥ እግዚኣብሄር ይሓግዘና ኣሜን!!