Wednesday, December 14, 2011

“እምብዛ ጻድቕ ወይ እምብዛ ለባም ኣይትኹን” መክ 7፡16



በሰመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ!!!

ብክርስቶስ ክርስቲያን ብወልድ ዉልዳን ብመንፈስ ቅዱስ መንፈሳውያን ዝተሰመኹም፡ ትእዛዛት እግዚኣብሔር ፈጸምረቲ ዝኾንኩም፡ ኣፍቀርቲ ቅድስት ቅዱሳን ኣዴና ድንግል ማርያም ናይ ሓደራ ደቃ ብሰናይ ፍቃድ እግዚኣብሔር ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ወርቃዊ ቃል ክንመሃር ክንፍትን ኢና። ከመይ! እምብዛ ጻድቕ ወይ እምብዛ ለባም ኣይትኹን ብነጸላ ትርጉም ክንወስዶ እንተ ፈቲና ብርግጽ ናብ ጌጋ ርድኢት ክንኣቱ ኢና። እቲ ምንታይ’ሲ ቅዱስ ሓዋርያ ጻውሎስ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ናብ ሰብዐ ቆሮንጦስ 2 ቆሮ 3፡6 “ፊደል ይቀትል መንፈስ ህይወት ይህብ” ኢሉ ይግስጸና። ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከሎና ነቲ ህያው ዝኾነ ትርጉም ክንበልዕ ይግባእ። ንጉስ ሰሎሞን ነዚ ቅዱስ ቃል ክጽሕፍ እንከሎ ንጽድቕን ጥበብን ተቃዊሙ ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፤ ካብ ዘይበጻሕካዮን ዘይኾንካዮን ንላዕሊ ኢየ ኢልካ ኣይትመካሕ ክብለና ደልዩ፡ ጽድቕን ጥበብን ደረጃ እንዳ ሓለኻ እየን ዝብጸሓ እውን ይውሰኾ።

ንኣብነት፦ ኣርኣያ ኩሉ ዓለም ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሰማይ ዝዝፋኑ ገዲፉ ኣብ መንጎና ተረኺቡ ብቅዱሳን ኣእጋሩ ንምድሪ ክቕድሳን ክዞራን፡ ብቅዱስ ደሙ ከንጽሃ ከሎ ሓደ ዓቢ ትምህርቲ ብግብሪ ኣርእዩና እዩ ንሱ ኸኣ ትሕትና እዩ። ኣብ ፊሊጲ 2፡6-11 “ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ከነሱ፡ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ከም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን” ቀጺሉ’ውን “መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ ሰብ’ውን መሰለ፡ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኮይኑ ተረኽበ። ርእሱ ክሳዕ ሞት ኣትሓተ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዘ”። ስሙ ንዘለኣለም ይኽበር ይመስገን። ከምዚ ዝበለ ትሕትና ብሓቂ የለን። ኣብዚ ቅዱስ ቃል ብዙሕ ምስጢራት ንረክብ። ሓደ ካብኡ ምስጢረ ስላሴ ኮይኑ እግዚኣብሔር ኣብ እግዚኣብሔር ወልድ እግዚኣብሔር መንፈስ ቅዱስ ሓደ ስልጣን ሓደ ህላወ ሓደ መለኮት አለዎም ኢልና ኣሚንና ሓድነትን ሰለስትነትን ይገልጸልና። ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ከም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን ይብለና። ብሓቂ ነቲ ቅዱስ ፍቕሩ ይገልጸልና። ስለዘፍቐረና ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ ካብ ማእስር ሞት፡ ካብቲ ናይ ጥንቲ ጸላኢና ደብዳቤና ክድምስስ መጺኡ ኣብ መንጎና ተረኺቡ ህይወት ሂቡና። ኣቦና ኣዳም ዝሰኣና ወሉድነት ብጥምቀት መስረተልና። ትሕትና ከኣ እታ ዓባይ ትምህርቲ ኮይና ኩልና ውልድነት እግዚኣብሔር ዝረኸብና ብትሕትና ክንቅነት ከምዘለና ይምዕደና።
ሓደ ሓደ ሰባት ስርሖም ከይመስከረሎም ብኣፎም ወይ ብትምኒቶም ጥራይ ጻድቃን ወይ ጠቢባን ንክኾኑ ይሓስቡ።

ወላዲት ኣምላክ ቅድሚ ንጎይታ ምውላዳ ገረድ ጎይታ ክትከውን እያ ትምነ ነይራ። እዚ ኸኣ ገረዱ ዘይኮነት ወላዲት ኣምላኽ ክትከውን ኣብቀዓ። እዚ ከኣ ትሕቲ፡ ንጽህቲ ብሕሊና ንጽህቲ ብስጋ፡ ንጽህቲ ብነፍስ ስለዝኾነት።
ኣብያተ ክርስቲያናትና ወይ ገዳማትና ኣብ ብርኽ ዝበለ ቦታ ዝስርሓሉ ምኽንያት ካብ ብዙሕ ውሑድ ብዘይ ጻዕሪ ጻማ የለን፡ ካልእ ከኣ ካብ ታሕቲ እንተዘይጀሚርካ ንላዕሊ ከምዘይብጻሕ ምርዳእ። ኣብ ምሳሌ 30፡12 “ርኽሰቱ ዘይተሓጽበ ኣነ ንጹህ እየ ዚብል ወለዶ ኣሎ” ኢሉ ተመሲሉ። እዚ ኸኣ ዝገበርካዮ ዘይብልካ ንጽህና ምህቃን ማለት እዩ። ስለዚ ከይተሃወኽካ ኩሉ ቀስ ብቀስ ይብጻሕ እዩ። ብርሃናት ዓለም ሓዋርያ ጳውሎስ ከምዝበሎ “ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዓደሎ መስፈር እምነት ጌሩ ደኣ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፡ ካብቲ ዝግባእ ኣዕዚዙ ከይሓስብሲ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ በቲ ዝተዋህበኒ ጸጋ እምዕድ ኣለኹ” ሮሜ 12፡3። እምብዛ ጻድቕ ምዃን ማለት ካብ ዝሰራሕካዮ ናይ ጽድቒ ስራሕ ንላዕሊ ከምዝሰራሕካ ምሕሳብን ካብ ዓቕምኻን ንላዕሊ ንዝኾኑ ነገራት ምምናይ ማለት እዩ። ብናይ ቤተ ክርስትያንና ትምህርቲ መሰረት ዓሰርተ ናይ ቅድስና ደረጃታት ኣለው። እዚኣቶም ድማ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ጸማዌ፡ ልባዌ፡ ኣንብእ፡ ጣእሙ ዝማሬ፡ ኩነኔ፡ ፍቅር፡ ሁሰት፡ ንጻሬ፡ ተመስጦን ከዊነ እሳትን እዮም። ጌና ኣብዞም መዓርጋት እዚኣቶም ከይበጻሐ ኣብ ላዕሊ ንዘሎ ናይ ፍጹማን መዓርግ እንተተመንዩ ንገዛእ ርእሱ እምብዛ ጻድቕ ጌሩ ማለት እዩ። እዚ ድማ ዘይብሉ ስለዝተመነየ ኣይጠቕሞን እዩ። ምኽንያቱ እምብዛ ጠቢብ ምዃን ማለት ካብቲ እትፈልጦ ንላዕሊ ከምእትፈልጥ ኳንካ ምሕሳብ ማለት እዩ። ሓደ ሰብ ክኾኖ ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ክኸውን ዝብል እንተኾይኑ ሽግር ይገጥሞ እዩ፡ ማለት “እንቁርዖብ ክንዲ ሓርማዝ ክኸውን እየ ኢላ ብዙሕ ማይ ሰትያ ተተኪሳ” ክምዝብሃል፡ ዘይተማሃርሮ ከምዝተማህሮ ዘይፈለጦ ከምዝፈልጦ ኾይኑ እንተተሰሚዕዎ ግቡእ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ብዙሕ ጥበብ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ብዙሕ ጓሂ ኣሎ፡ እቲ ፍልጠት ዘብዝሕ ስቓይ የብዝሕ” ተባሂሉ ከምዝተነግረ ሓሳብ ብምውራድን ብምድያብን እዩ ዝደክም። መክ 1፡18።
ስለዚ ሓዋርያ ከምዝተዛረቦ ንገዛእ ርእስኻ ብምግታእ ከም ዓቕምኻ ምንባር ይግባእ። ሓደ እኳ ርእሱ ኣይጠብር። ገለ ካባኻትኩም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥበበኛ ምእንቲ ክኸውን ዓሻ ይኹን። 1ይ ቆሮ 3፡18 ብምባል እምብዛ ጥበበኛ እየ ካብ ምባል ርእስኻ ኣትሒትካ ኣይፈልጥን እየ ምባል ዝሓሸ ምዃኑ ኣስተምሂሩና እዩ።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እነንብቦ እግዚኣብሔር ጸጋኡ ዘብዝሓሎም ብዙሓት ቅዱሳን በቲ ዝተዋህቦም ጸጋ ተመኪሖም “ንሕና ሓያላት ኢና” ኣይበሉን። ንገዛእ ርእሶም ደኣ ኣዋረዱ እምበር በቲ ዘለዎም ነገርስ ኣይተዓበዩን። እቲ ዓቢ ናይ እግዚኣብሔር ሰብ ዝኾነ ኣብርሃም ንኣጋእዝተ ዓለም ስላሴ ኣብ ገዝኡ ንምእንጋድ በቕዐ ጻድቕ ከነሱ “ኣነ ሐመድን ሓምኹሽትን እየ” ኢሉ። ዘፍ 18፡27። እቲ ነብይን ንጉስን ዝኾነ ቅዱስ ዳዊት ውን ሳኦል የሳጉጎ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ንንጉስ ሳኦል ከምዚ ኡሉ ተዛሪብዎ። “ናይ እስራኤል ንጉስ (ሳኦል) ደድሕሪ መን እዩ መጺኡ ዘሎ፤ ንመንከ ኢኻ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ፤ ንምዉት ከልቢ ንሓደ ቁንጪ፤ 1 ሳሙ 24፡15። እዚ ጻድቕ ሰብ’ዚ ገዛእ ርእሱ ብትሕትና ከመይ ጌሩ ከምዘዋረደ እዩ ዘርእየና። ከምኡ’ውን ኣብ ካልእ ምዕራፍ “ኣነ ሓሰኻ እምበር ሰብ ኣይኮንኩን” ክብል ተዛሪቡ’ዩ። መዝ 22፡6 ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን “ንዓይ ቁላዕ ንዘመስል” ተራእየኒ 1 ቆሮ 15፡8 “ነቶም ኣነ ዝቐዳማዮም ሓጥኣን ክብል እዩ ንገዛእ ርእሱ ዘትሓተ 1 ጢሞ 1፡16።
ኣብርሃም’ውን “ዓሌታት ኩላ ምድሪ ድማ ብኣኻ ክባረኹ እዮም” ተባሂሉ ብእግዚኣብሔር ተጸዊዑ ከሎ ንነፍሱ ከም ሐመድን ሓሙኹሽቲ ደኣ ቆጸራ’እምበር ንገዛእ ርእሱስ ኣየጽደቐን። ዘፍ 12፡3። ቅዱስ ዳዊት’ውን ዋላ’ኳ እግዚኣብሔር “ከም ልበይ ዝኾነ ወዲ እሴይ ረከብኩ” ኢሉ ከም ዝመረጾ እንተፈለጠ ንነብሱ ከም ጻድቕ ኣይቖረራን 1 ሳሙ13፡14። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ብኢየሱስ ክጽዋዕ ከሎ “ምሩጽ ኣቕሓ” ከምዝተባህለ ይፍለጥ  እዩ። ግ.ሓ 9፡15 ኮይኑ ግና ሓጢኣተኛ ምዃኑ ተዛረበ’ምበር ንነብሱስ ከም ጻድቕ ኣይቆጸራን።
ስለዚ እምበኣር ካብዚ እንርድኦ ገዛእ ርእስኻ ምትሓት ደኣ እምበር ምልዓል ከምዘይግባእ እዩ ዘረድኣና። ሰለዝኾነውን ጠቢቡ “እምበዛ ጻድቕ እምብዛ’ውን በዓል ጸጋ አይትኹን” ክብል ተዛሪቡ እዩ። ጎይታናውን ኣይኮነንዶ ብዘይገበርናዮስ ብዝገበርናዮውን እንተኾነ ክይንምካሕ “ዝተኣዘዝክምዎ ኩሉ ምስ ገበርኩም ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና እቲ ክንገብሮ ዝግባኣና ኢና ዝገበርና በሉ” ኢሉና’ዩ። ሉቃ 17፡10። ጠቢቡ ነዚ ዝተዛረበ፡ ሰብ ብዘይ ልክዕ ገዛእ ርእሱ ንኽየጽድቕ እዩ። ነዚ’ዩ ኸኣ “ጻድቕ ብጽድቁ ዚጠፍእ ኣሎ ረሲእ ድማ ብግበሪ እከዩ መዓልትታቱ ዘንዉሕ ኣሎ ነዚ ኹሉ ብመዓልትታት ከንቱነተይ ረኣኹዎ” ዝበሎ። መክ 7፡15 “ጻድቕ ብጽድቁ ዝጠፍእ ኣሎ” ማለቱ ብዝገበሮ ሒደት ናይ ጽድቂ ስራሕ ምስ ተመክሐ ክምዝጠፍእ ከረድኣና ከሎ እዩ፡ “ረሲእ’ውን ብኽፍኣቱ ነዊሕ ዘመን ክነብር ከሎ” ማለት ነቲ ሓጥእ ዋላ’ኳ ነዊሕ ዘመን እንተሃቦ ኣብ ክንዲ በደሉ ተመልኪቱ ንስሓ ዝኣቱ ምስ ክፍኣቱ ክነብር መሪጹ ማለት እዩ። ስለዚ ህዝበ ክርስቲያን ጽድቅና ብሕቡእ እምበር ብኣፍና ኣይኹን፡ ጥበብ እንተደለና ከኣ ናብቲ ጥበበኛ ተሞርኪስና ኣብ ትሕቲ ምሕረቱ ክነብር ትሕትና ክንዕጠቕ ይግበኣና እዩ እሞ ኩሉ ምስጋና ንእግዚኣብሔር ሂብና ብሰላም ክነብር ፍቓዱ ክንመልእ ብቅዱስ መንፈሱ ይሓግዘና። ወላዲት ኣመላክ ብቅድሚትን ድሕሪትን ኮበኪባ ንዓስቢ ሰማያት ተብቕዓና።

ወሰብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድነግል
ወለመስቀሉ ክቡር። ኣሜን!!!

Saturday, October 8, 2011

መንፈሳዊ ምልምማድ


 በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

ቃል ኣምላኽ ካብ ንሰምዕ ውሑድ ኣይገበርናን፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክንመላለስ ምኽርን ተግሳጽን ካብ ዝወሃበና ሎሚ ዘይኮነስ ትማሊ ኮይኑ። ከምቲ ሓደ ህጻን ተወሊዱ ክሳብ እኹል ዝኾውን ዕብየት ዘርኢ ንሕና’ውን ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዕብየት ከነርኢ ኣሎና። ትእዛዛት እግዚኣብሔር ኣብ ምሕላው ዝወሰድናዮ ስጉምቲ እንታይ ኣሎ፤

ቅድሚ ዝኾነ ነገር ክንገብሮ ዝግበኣና ድኽመታትና ምልላይ እዩ። ከመይ እንተ ኢልና፡ ጌጋ የብለይን ዝብል ሰብ ንጎይታ ምድሕን ህይወተይ ክብሎ ኣይበቅዕን እዩ። “ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር ጥዑያት ኣየድልይዎን” (ማቴ 9፡12) ስለዝብለና። ብሓቂ መዓልታዊ ኣብ ኣእምሮና ክመላለስ ዝግብኦ ዓቢ ህያው ቃል እዩ። ደጊሙ’ውን ብርሃን ዓለም ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ “ምስ ሓጢኣት ብምቅላስኩም ገና ኽሳዕ ኣብ ደም እትበጽሑ ኣይተቓወምኩምን” ዕብ 12፡4 ። ስለዚ ድኽመታትና ኣለሊና ናብ ምውጋዱ ክንጽዕር እንተኾይና መንፈሳዊ ምልምማድ የድልየና። ኣድላይነት መንፈሳዊ ምልምማድ ዓቢ ኣተኩሮ ዘድልዮ ምዃኑ፡ ቅዱሳን እግዚኣብሔር በዚ ልምምድ’ዚ ምሕላፎም እዩ። ንኣብነት “እቲ ሰብኣይ ሙሴ ግና ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ ዓቃል ነበረ” ዘሑ 12፡3። ነዚ ህያብ ክረክብ ዝኸኣለ ሙሴ ድሕሪ ብዙሕ ምልምማድ እዩ። መረጋገጺ ዝኾነና ሙሴ ቅድሚ ናብ በረኻ ምውጽኡ ብሕርቃን ዝኣክል ንሓደ ግብጻዊ ቀቲሉ ከምዝቀበሮ ዝዝከር እዩ (ዘሑ 2፡12)። ብርሃናት ዓለም ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ቀዳመይቲ መልእኽቱ ንወዱ ጢሞቴዎስ ኣብ ዝጸሓፎ“እቲ ስጋዊ ምልማድ ንቕሩብ ነገር እዩ ዚጠቅሞ ኣምልኾ ግና ንኹሉ ይጠቅም፡ ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን” 1 ጢሞ 4፡8  ክብል መኺሩናን ምዒዱናን እዩ። እዚ ከኣ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሔር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ” ምሳ 3፡5 ። ማለት ኣብ እግዚኣብሔር ምጽጋዕ እንኮ ኣማራጺ ሒዝና ክንቀርብ ኣሎና።

መንፈሳዊ ምልምማድ ኣብ ቋሕ ሰም ዝልመድ ኣይኮነን። ንኣብነት ትሕትና ክንማሃር መጀመርያ ብነፍስና ንጅምር። ነፍስና ባዕልና ዘይምንኣድ። ሓደ ምልምማድ ወዲእካ ናብቲ ካልእ ክትሰግር ጥበብን ዘይምህዋኽን የድሊ። ባዕልኻ ነፍስኻ ከም ዘይትንእዳ ምስ ኮንካ ኣጽኒዕካ’ውን ምስ ኣረጋገጽካ ናትካ ባህሪ ይኸውን። ናብ ካልእ ልምምድ ድማ ትኣቱ፡ ንሱ ኸኣ ውዳሴ ሰባት። ውዳሴ ሰባት ንትዕቢት ስለዘኸትል ነዚ’ውን ብሜላ ክኸውን ኣለዎ። ካብኡ ቀጺሉ ዝመጽእ ሰባት ክውድሱኒ ከለው ሓጥኣተይ ዘኪረ ይጥንቀቕ እናበልካ ንሓደ መንፈሳዊ ልምምድ ብዓወት ትዛዝሞ። 14 ቀጸላታት ናይ ፍቕሪ ብርሃናት ዓለም ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ንሰብዓ ቆሮንጦስ ኣብ ዝገለጾ ኩሉ ብሓንሳብ ክላመዶ እየ ክትብል ወላሓንቲ ከይተላመድካ ግዜኻ ትባኽን (1 ቆሮ 13 )። ስለዚ ኩሉ ብዓቕሊን ዘይምህዋኽን ንግበሮ።
ንኣብነት ጾም እንተ ወሲድና፡ ጥልላት ዘይምብላዕ ጥራይ ዘይኮነስ ክሳብ ዝተወሰነ ግዜ ምውዓል ወይ ምውዓልን ምሕዳርን እዩ። ኣርኣያ ኩሉ ዓለም ዝኾነ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ“ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ምስ ጾመ ድሕርዚ ጠመየ” ማቴ 4፡2 ይብለና። ጾም ንጸውም ኣለና ክንብል እንተኾይና መጀመርያ ጥምየት ክስመዓና ኣለዎ። እዚ ከኣ ሎሚ ሓንቲ ሰዓት እንተ ጠሚና ጽባሕ ከኣ ክልተ ከምኡ ኢና በልና ጾም ሓደ ካብ ባህርያትና ይኸውን።

ምኽሪ መንፈሳዊ ልምምድ፡

  • ·        ፍሉይን ንጹርን ዝኾነ ምልምማድ

  • ·        ዓቕምኻ ዝኾነ ከተተግብሮ እትኽእል ልምምድ

  • ·        ቀጻልነት ልምምድ፡ ንኣብነት ህዱእ ክኸውን እየ ኢልካ እንተወሲንካ እሞ ኸኣ ኣብ ጫውጫው ዝመለኣ ዓለም እናነበርካ ነቲ ሒዝካዮ ዘለኻ ዕላማ ዕንቅፋት ክኾነካ የብሉን። ዘረባይ ከሕጽሮ እየ ኢልካ ትጅምር። ንሓንቲ ቃል ዘድልያ ምሉእ ሓሳብ ክህበላ ኣየድልን፡ ንሓደ ምሉእ ሓሳብ ዘድልዮ ኣስተምህሮ ክህበሉ የብለይን ምባል። ብዙሕ ቃላት ናይ ዝተጠቀምካ ብዙሕ ይሰምዓካ ማለት ኣይኮነን። ነዚ ምስወዳእካ፡ ኣብ ኣድላይ ክዛረብ ኢልካ ምውሳን፡ ዓው ኢልካ ዘይምዝራብ፡ ትሑት ድምጺ ምጥቃም ከምኡ እናበልካ ልሳንካ ትእድባ፡ ነታ እሳት ዝኾነት ልሳንካ ንኹሉ ኣካልካ እትምርዝ ልሳን ጌጋታታ ተሕጽሮ።  

  • ·        ምሳሌ 24፡16 “እቲ ጻድቕ ሾብዓተ ሳዕ ይወድቕ እሞ ይትንስእ” ጻድቕ ከምዚ ካብ ኮነ ኣብ ምውዳቕካ ኣይትተሓለል። ምኽንያቱ ምውዳቕ ንቡር እዩ እቲ ዘይንቡር ግና ዘይምትንሳእ እዩ። ምውዳቕካ መንፈሳዊ ብስለት እናኣጥረኻ ጸላኢኻ ከመይ ጌሩ ከምዝዋገኣካ ተለልየሉ ሜላ እዩ። በዚ መሰረት ከኣ ንኻልኦት መወከሲ ትኸውን። ብተወሳኺ ኣብ ምውዳቕ ዝምልከት ቀጻሊ ዕውት ምዃን ናብ ትዕቢት ስለዝመርሓካ ትሕት ንኽትብል ይሕግዘካ። ካብቲ ምሕረቱ ዘይውዳእ ልዑል እግዚኣብሔር ኣምላክ ሓይሊን ጽንዓትን መለመኒ ይኾነካ።


ምንጪ፡ (The Spiritual Means: Spiritual Training)
ብብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ 3ይ
መበል 117 ፖፕ መንበረ ማርቆስን
ፓትርያርክ እስክንድርያን

ወስብሓት ለእግዚኣብሔር!!!


                                                      

Tuesday, August 16, 2011

ደብረ ታቦር

ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ብድምቀትን ክብ ብዝበለ መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓትን ካብ ዝኽበሩ ትሽዓተ ዓበይቲ በዓላት ጐይታ ሓደ እዩ። ዓመት መጸ ድማ ፲፫ ነሓሰ ይኽበር። እዚ ዕለት እዚ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ብርሃነ መለኮቱ ክብረ መንግሥቱ ኣብ ደብረ ታቦር ነቶም ኅሩያት ደቀ መዛሙርቱ ዝገለጸሉ እዩ። እግዚአብሔር ብዝፈቐደ ኣስዒብና ብሓጺሩ ምኽንያተ በዓልን ትንቢትን ምስኡ ዝተተሓዙ ፍጽሜታትን ክንርእይ ኢና። እግዚአብሔር አምላኽ ዘስተውዕል ልቦና ይሃበና። 

ስምን ሓጺር ታሪኽን ደብረ ታቦር
ታቦር ኣብ እስራኤል ካብ ባሕረ ገሊላ ብወገን ደቡባዊ ምዕራብ ፲ ኪ.ሜ ርሒቑ ዝርከብ እምባ እዩ። ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ኸኣ ፭፻፸፪ ሜትሮ ብራኸ ኣለዎ። ጫፍ ጎቦ ድማ ጽፍሕ ዝበለ ሓውሲ ጎልጎል ዝኾነ ቦታ ኣለዎ። እዚ ደብሪ ኸኣ ኣብ ዘመነ ብሉይ ይኹን ኣብ ዘመነ ሓዲስ እግዚአብሔር ቅድም ብነቢያቱ ኣቢሉ፡ ዳኅራይ ድማ ባዕሉ ሥጋ ለቢሱ ተኣምራት ዝፈጸመሉ ስለዝኾነ ቅዱስ ከረን ተባሂሉ ይፍለጥ። (ካልኣይ ጴጥ ፩፥፲፰)


እዚ ከረን እዚ ኣብ ገሊላ ካብ ዝርከቡ ኣኽራናት ሓደ ኮይኑ ኣብ ክፍሊ ዛብሎን ንዝርከቡ ወገናት ዝተዋህበ እዩ ነይሩ(ቀዳማይ ዜና ፮፥፸፯)። ከም ቦታ ግና ናይ ሠለስቱ ነገዳት እስራኤል ማለት ነገደ ዛብሎን፡ ነገደ ይሳኮር፡ ነገደ ንፍታሌም መራኸቢ ወሰን ዶብ ዝነበረ እዩ። ብሉይ ኪዳን እምበር ሓዲስ ኪዳን ብዝበዘኀ ክፋሉ ነዊሕ ከረን ካብ ምባል ሓሊፉ ብስሙ ኣይጽውዖን እዩ። ኮይኑ ግና ጐይታ ኣብዚ ከረን እዚ ክብሩ ከምዝገለጸን ስም እዚ ከረን’ውን ታቦር ምዃኑ ሓዋርያት ኣብ ሲኖዶሶምን (ዲድስቅልያን) ገሊጾሞ እዮም። ቅዱስ ያሬድ’ውን ኣብ ድጓዑ ነዚ ጠቒሱ ደብረ ታቦር ኢሉ ብሰፊሑ ደጋጊሙ ጸዊዕዎ ኣሎ።
ቅድስት እሌኒ (ኣደ ቈስጠንጢኖስ ንጉሥ) ኣብዚ ደብሪ እዚ ብ፫፻፳፮ ዓ.ም. ቤተ ክርስቲያን ኣስሪሓ ከምዝነበረት ይንገር። ቄርሎስ ዘኢየሩሳሌም’ውን ካብ ሓዋርያት እናተመሓላለፈ ንዝመጸ ትምህርቲ መሠረት ብምግባር ኣብ ፬፻ ዓ.ም. “ክርስቶስ ክብሩ ኣብ ደብረ ታቦር ገለጸ” ክብል ተዛሪቡ ነይሩ። ብ፩ ሺሕን ፩፻፯ ዓ.ም. ክሳዕ ዝፈርስ ኣብ ፯-፰ይ ክፍለ ዘመን ብስም ሙሴን ኤልያስን ዝተሃንጸ ቤተ ክርስቲያን ይርከቦ ኸኣ ነበረ።

ትንቢትን ምሳሌን
ታቦር ኣብ ብሉይ ኪዳን ትንቢት ዝተነግረሉ፡ ምሳሌ ዝተመሰለሉ ደብሪ እዩ።
ብርሃነ መለኮቱ ክብሪ መንግሥቱ ዝገለጸሉ ቅዱስ ቦታ ስለዝኾነ ከም ልበይ ረኸብኩ ዝተባህለሉ ዘማራይ ቅዱስ ዳዊት ከምዚ ኢሉ ተንቢዩሉ ነይሩ። “ታቦር ወአርሞንኤም በስመ ዚአከ ይትፌሥሑ። ወይሴብሑ ለስምከ። መዝራዕትከ ምስለ ኃይል” (ታቦርን አርሞንኤምን ብስምካ ይሕጐሳ፤ ንስምካ ድማ የመስግኑ፤ ቅልጽምካ ምስ ኃይልኻ’ዩ) ብምባል ትንቢት ዝሓዘለ መዝሙር ዘሚሩ ነበረ። አርሞንኤም’ውን ኣስታት ፴ ኪሜ ካብ ታቦር ርሒቑ ዝርከብ እምባ እዩ። እዞም ጎቦታት እዚኦም ኣብ ዳኅራዋይ እዋን ንዝኸውን ብትንቢት ጠቒሱ ዓቢይ ክብሪ እግዚአብሔር ንምርኣይ ስለዘኽኣሎምን ስለዘብቕዖምን ተሓጒሶም ይብል። ኽብሪ እግዚአብሔር ንምርኣይ ዝኅረዩን ነዚ ኽብሪ ዝኣምኑን ኸኣ ክሕጉሱ ድማ ዝግባእ እዩ።


ምሳሌነቱ ኸኣ እዚ ደብሪ እዚ ናይ ዓወት ስፍራ ምዃኑ እዩ። እስራኤላውያን ንእግዚአብሔር ምስ በደሉ ነቶም ኣሕዛብ ኣኅሊፉ ዝሃበሉ ጊዜ እዩ ነይሩ። ንሳቶም ሲሳራ ብዝመርሖ ሽሾ ሠራዊት መከራ ምስ ጸገቡ፡ በደሎም ተፈሊጥዎም ናብ እግዚአብሔር ተማህለሉ። እግዚአብሔር ድማ ጸሎቶም ሰሚዑ ንዲቦራ ነብዪት ኣተንሢኡ ነቲ መስፍን እስራኤል ዝነበረ ባርቅ ክዋጋእን ንእስራኤል ካብቶም ዘጫነቕዎም ሓራ ክገብሮምን ኣዘዞ። ባርቅ ግና ንዲቦራ ንስኺ ምሳይ እንተዘይከድኺ ኣይከይድን ኢሉ ምስኡ ናብቲ ሰልፊ ክትከይድ ለመና። እቲ ቦታ ውግእ ኸኣ ከረን ታቦር ነበረ። እታ መዓልቲ ውግእ ኸኣ ሰልፊ እግዚአብሔር ዝተራእየላ ነበረት። ዓወት ኸኣ ንእግዚአብሔር ጸግኢ ናይ ዝገበረ ሠራዊት ኮነ። ኣብዚ ታሪኽ ውግእ ኃይልን ድንቂ ተኣምራትን እግዚአብሔር ዝተራእየሉ እዩ ነይሩ። ምስኡ ድማ ጸሎት ናይ እግዚአብሔር ዝኾኑ ሰባት ክንደየናይ ዓቢ ምዃኑ ዝተመስከረሉ እዩ። (መሳ ፬፥፮-፲፬) ስለዚ እዩ ደብረ ታቦር ደብሪ ዓወት እዩ ዝበሃል። ምሳሌኡ ኸኣ ኣብዚ ደብሪ ንእስራኤል ዘጫነቑን ዝፈተኑን ጸላእቲ እስራኤል ከምዝተሣዕሩ፤ ኣብ ዘመን ሓዲስ’ውን ልቢ ሓዋርያት ብጥርጥርን ፍቅረ ሲመትን ዝፍትን ዝነበረ ዲያብሎስ ኣብ ደብረ ታቦር ጐይታ ብዝገበሮ ተኣምር ከምዝተሣዕረን ከምዝረሓቐሎምን ዘመልክት እዩ።

ምስክርነት ኣብ ፊልጶስ ዘቂሣርያ

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ብርሃነ መለኮቱ ክብረ መንግሥቱ ንሓዋርያት ዝገለጸሉን፡ ምሥጢር ዘርኣየሉን  ቅዱስ ቦታ ደብረ ታቦር እዩ። ናብዚ ደብሪ ንምድያቡን ምሥጢር ንምርኣዩን መሠረት ዝኾኖ ኣብ ፊልጶስ ዘቂሣርያ ምስ ሓዋርያቱ ዝገበሮ ምዝርራብ እዩ ነይሩ። (ማቴ ፲፮) እዚ ኸኣ ጐይታ ብዛዕባ መንነቱ ኣግሂዱ ንሓዋርያቱ ዝሓተተሉ እዋን እዩ ነይሩ። “ሰባት ንወልደ እጓለ እምሕያው መን ይብልዎ?” ኢሉ ኣብ ዝሓተተሉ ኣብቲ ዘመን እቲ ዝነበሩ ሰባትን ዝተፈላለዩ ክፋላት ኅብረተሰብን በቲ ዝበሃልን ከምኡውን ብዝሰምዕዎ ናይ ቃሉ ትምህርትን ብዝርእይዎ ናይ ኢዱ ተኣምራትን ኣብ መንነት ጐይታ ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ከምዘሎዎም ዝገልጽ መልሲ ብሓዋርያት ተዋህበ። “ገሊኦም ዮሐንስ መጥምቕ፡ ካልኦት ድማ ኤልያስ ፡ ገሊኦምውን ኤርምያስ ወይስ ሓደ ኻብ ነብያት ዚብሉ አለዉ፡” ኢሎም መለሱሉ። እቲ ሕቶ መሊሱ ኸኣ ነቶም ኵሉ ዘለዎም ገዲፎም ካብኡ ከይተፈለዩ ንዝስዕብዎ ሓዋርያት ኣቕንዐ። “ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ አሎኹም ?” ኢሉ ድማ ጐይታ ሓተቶም። በቲ ጊዜ እቲ ቅዱስ ጴጥሮስ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያው ኣምላኽ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። (ማቴ ፲፯፥፩-፲፫ ማር. ፱፥ ፪-፲፫ ሉቃ ፱፥፳፰-፴፮) እዚ ኸኣ ንሱ ክርስቶስ አምላኽ ወዲ አምላኽ ምዃኑ፤ ናይ እግዚአብሔር አብ ናይ ባህርይ ወዱ ንሱ ወልደ እግዚአብሔር ምዃኑ መስከረ። እዚ ምስክርነቱ ኸኣ ምሥጢረ ተዋሕዶ ብንጹር ዝገልጽ እዩ። እወ ቅዱስ ጴጥሮስ ነቲ ካብ ሰማያት ሰማያት ወሪዱ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ብሥጋ ንዝተወልደ ጐይታ ‘ንስኻ’ ኢሉ ክርስቶስ ሓደ ምዃኑን ንሱ ድማ ወልደ አብ ወልደ ማርያም ብተዋሕዶ ዝኸበረ ምዃኑን እዩ መስኪሩ።

በዚ ምስክርነቱ ድማ ተሞጒሱ እዩ። እኳ ደኣ እዚ ዓቢይ ምሥጢር እዚ ንሱ ዘፍለቖ ዘይኮነሲ ባዕሉ አምላኽ ከምዝገለጸሉ ክነግሮ ከሎ  “ስምኦን ወዲ ዮና፡ እዚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ እምበር፡ ሥጋን ደምን ኣይገለጸልካን እሞ፡ ብጹእ ኢኻ።” በሎ። ኣብዚ መሠረተ ሃይማኖት ክርስትና ዝኾነ ምሥጢረ ተዋሕዶ (ከውሒ) ኸኣ ፍጹም ቤተ ክርስቲያኑ ከምዝሓንጽን ደጌታት ሲኦል ድማ ከምዘይኅይልዋ ኪዳን ሃቦ። መርሖታት መንግሥተ ሰማያት ዝኾነ ሥልጣነ ክህነት ንሓዋርያት ከምዝወሃብ ቃል ተኣትወሉ። “መርሖታት መንግሥተ ሰማያት ክህበካ እየ፡ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርካዮ ዅሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕካዮ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ።” ኢሉ ጐይታ ተዛረበ።

ብሓቂ እታ መዓልቲ ዝተባረኸት መዓልቲ እያ። እግዚአብሔር ክሳብ ክንደይ ከምዝኃልየልናን ከምዝፈትወናን ንቤቱን ንደቂ ሰባትን ኸኣ ክሳብ ክንደይ ሥልጣንን ክብርን ከምዝሃበ ዘግሃደላ መዓልቲ እያ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ሓዋርያት ርቱዕ እምነቶም ፊት ንፊት ዝመስከሩላ መዓልቲ እኳ እንተነበረት፤ ነቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ እምነት ዝያዳ ዘጽንዕን፤ ነቲ ዝኣመነዎ ዘረግጽን ነገር፤ ኣብ ምድሪ ከለዉ ብውሱን መጠን ከርእዮም ጐይታ ፍቓዱ ስለዝኾነ ነቶም ናይ ምሥጢር ሓዋርያት ዝበሃሉ ሠለስተ ሓዋርያቱ  ሒዙ (ከምቲ ነገር ብሠለስተ ምስክር ጸኒዑ ዝርከብ) ናብቲ ነዊሕ ደብሪ ማለት ደብረ ታቦር ሒዝዎም ደየበ። ኣብኡ ኸኣ ድንቂ ነገር ተፈጸመ።

ብርሃነ መለኮቱ ክብረ መንግሥቱ ኣብ ደብረ ታቦር
“ኣብ ቅድሚኦም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ። ገጹ ኸም ፀሓይ ኣብርሀ፡ ክዳኑውን ከም ብርሃን ጻዕደወ። እንሆ ኸኣ ሙሴን ኤልያስን ምስኡ እናተዛርረቡ ተራእይዎም ። ጴጥሮስ መሊሱ ንኢየሱስ በሎ፤ ጐይታይ ፡ ንኣና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ። ትፈቱ እንተ ዄንካስ ፡ ኣብዚ ሠለስተ ዳስ ክንሰርሕ፡ ሓደ ንኣኻ ፡ ሓደ ንሙሴ ሓደውን ንኤልያስ። ገና ኺዛረብ ከሎ፡ እንሆ ብሩህ ደበና ኣጐልበቦም። እንሆ ኸኣ ካብቲ ደበና ዝፈትዎ ወደይ ብእኡ ዝሠመርኩ እዚ እዩ ንእኡ ስምዕዎ ዚብል ድምጺ መጸ።” ደቀ መዛሙርቱ እዚ ሰሚዖም ብግምባሮም ተደፍኡ፡ ብዙኅ ድማ ፈርሁ። ኢየሱስ ቅርብ ኢሉ ተንከዮም፡ ተንሥኡ ኣይትፍርሁውን፡ በሎም። ንላዕሊ ገጾም ቁሊሕ እንተ በሉ፡ ብዘይ ኢየሱስ በይኑ ሓደ እኳ ኣይረኣዩን።” (ማቴ ፲፯፥፪-፰) ይብል።
እዚ ኣብ ደብረ ታቦር ዝተራእየ ብርሃን ጐይታ፡ ምትሓት ወይውን ከምቲ እስራኤላውያን ክርእይዎ ዘይከኣሉ ገጽ ሙሴ ኣጐልቢቡ ዝነበረ ዓይነት ብርሃን ኣይነበረን፤ እንታይ ደኣ ነጸብራቕ መለኮታዊ ክብሩ ዝኾነ ፍሉይ ድንቂ ብርሃን እምበር። እዚ ኸኣ ከም ሙሴ ናይ ጸጋ ዘይኮነስ ናይ ባህርዪኡ እዩ። እቲ ደመና’ውን ከም ካልእ ደመና ኣይኮነን። ልዕልና መለኮታዊ ክብሩ ክገልጽ ዝመጸ ፍሉይ ደመና እምበር።

ሓቂ እዩ ካብ ብሉይ ኣትሒዙ ጐይታ ምሥጢሩ ክገልጸሉ ዝመርጾ ስፍራ ኣብ ነዋሕቲ ኣኽራናት እዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ ርእሱ ዝኸኣለ ምሳሌን ትርጉምን ስለዘለዎ እዩ። ኣምላኽ ሥጋና ተዋሓሒዱ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ኣብ ሞንጎና ምስ ተረኽበ’ውን ነዚ ዓቢይ ምሥጢር ከግህደሎም ነቶም ኅሩያት ሓዋርያቱ ናብ ነዊሕ ከረን ወሰዶም። ኣብኡ ኸኣ ሙሴን ኤልያስን ምስኡ እናተዘራረቡ ሐዋርያት ረኣይዎም። ክብሪ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኸኣ ተራእየ። ብርሃነ መለኮቱ ክብረ መንግሥቱ ገለጸሎም። ከምቲ ኣብ ፈለገ ዮርዳኖስ ናይ ባህርይ አቡኡ አብ “ዝንቱ ውእቱ ወልድየ” ኢሉ ዝመስከሮ ኣብዚ’ውን ምስክርነቱ ደገመ። ኣብ ዮርዳኖስ ምሥጢረ ሥላሴን፡ ምሥጢረ ተዋሕዶን ከምዝተገልጸ ኣብ ደብረ ታቦር’ውን እዘን አእማድ ምሥጢራት ተገሊጾም እዮም።

ቅድም ዓለም ዘመን ዘይቝጸረሉ ካብ አብ ባህርይ ዘእም ባህርይ አካል ዘእም አካል ከምዝተወልደ፤ ድኅሪ ዓለም ከኣ ንድኅነት ደቂ ሰባት ዘመን ዝቝጸረሉ (ዓለም ድኅሪ ምፍጣሩ ድኅሪ ፭ሺሕ ፭፻ ዓመት) ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ተወሓሒዱ ፍጹም ሰብ ኮነ። ወልደ አብ ወልደ ማርያም ብክልተ ልደት ብተዋሕዶ ከበረ። አምላኽ ሰብ ኮነ፤ ሰብ አምላኽ ኮነ። ንሱ ሓደ አካል ሓደ ባህርይ ምዃኑ ብግልጺ ኣርኣየና። እግዚአብሔር አብ፡ ካብ ሰማይ ኮይኑ ነቲ ብሓጺር ቁመት ብጸቢብ ደረት ኣብ ሞንጎ ሓዋርያትን ነቢያትን ንዝነበረ ጐይታ ‘ወደይ’ ኢልዎ። ነቢያት’ውን መስከሩሉ። ሓዋርያት’ውን ምስክርነቶም ኣርጊጾም ፈለጡ። እወ ብተዋሕዶ ዝኸበረ ክርስቶስ ሓደ እምበር ክልተ ኣይኮነን። ንሱ ናይ ጸጋ ዘይኮነስ ናይ ባህርይ ኣምላኽ እዩ።   


ጐይታና ኣብ ደብረ ታቦር ብርሃነ መለኮቱን ክብሩን ምግላጹን ጥራይ ዘይኮነስ ካልእ ድንቂ ነገር ፈጺሙ እዩ። ቅድሚ ነዊሕ ዘመናት ኣብዚ ምድሪ ካብ ዝነበሩ ነቢያት ንሊቀ ነቢያት ሙሴን ነቢዪ ኤልያስን ኣብዚ ቅዱስ ደብሪ ጸዊዑ የዘራርቦም ነበረ። እዞም ናይ እግዚአብሔር ሰባት ኣብ ብሉይ ኪዳን ዓበይቲ ግብርታት ዝፈጸሙን ብዛዕባ መድኅን ክርስቶስ ትንቢት እተዛረቡን፡ ብዛዕባ መንግሥቲ እግዚአብሔር ዘስተምሃሩን ቅዱሳን እዮም ነይሮም። ናቶም ኣብዚ ምምጽኦም ምስቲ ጐይታ ኣብ ፊልጶስ ቂሣርያ ዝሓተቶ ሕቶን ብሓዋርያት ዝተዋህቦ መልሲን ዝዛመድ እዩ።

እቲ ምኽንያት ኸኣ መተርጒማነ መጻሕፍቲ ከምዝብልዎ ጐይታ ከምቲ ሰባት ዝብልዎ ኤልያስ ወይ ሙሴ ወይውን ካብቶም ነቢያት ሓደ ዘይኮነስ ጐይታ ነቢያት አምላከ ነቢያት ምዃኑ ኣርጊጾም ሓዋርያት ምእንቲ ክፈልጡ እዩ። በቲ ካልእ ድማ ሕግን ነቢያትን ብክርስቶስ ዝፍጸም ምዃኑ ካብቶም ንሕግን ነቢያትን ካብ ዝወከሉ ሊቀ ነቢያት ሙሴን ነቢዪ ኤልያስን ምስክርነቶም ክሰምዑ ምእንቲ እዩ። አእማድ ሓዋርያት ኸኣ ነዚ ብግብሪ ርእዮምን፡ ካብቶም ኣፍ ነቢያት ኸኣ በቲ ምስ ጐይታ ዝነበሮም ምዝርራብ ምስክርነቶም ሰሚዖምን። እቲ ኣብ ጐይታ ዘለዎም እምነት ጽኑዕን ርጉጽን ከምዝኸውን ገበሮ። ኵሉ ዝከኣሎ ጐይታ ስለዝኾነ ኸኣ ካብቲ ሥግኡ ነፍሱን ካብ ዝተፈለዩሉ ንሙሴ ካብ መቃብሩ ጸዊዑ፡ ካብቲ ብሰረገላ እሳት ካብ ዝዓረገሉ ብሔረ ሕያዋን ንኤልያስ ጸዊዑ ኣብቲ ቅዱስ ደብሪ ከምዝርከቡ ገበሮም፤ ነቲ ዕፁብ ዝኾነ ምስክርነቶምን ተኣምራት ጐይታን ሓዋርያት ከምዝሰምዕዎን ከምዝርእይዎን ገበረ። እወ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ አምላከ ነቢያት፡ አምላከ ሓዋርያት እዩ። በዚ ድንቂ ግብሩ ኸኣ ንሱ አምላኸ ሕያውን ምዃኑ ኣረኣየና። እቶም ነቢያት ካብዚ ምድሪ ካብ ዝፍለዩ ዘመናት ዘቝጸሩ እኳ እንተነበሩ ምስቶም ኣብዚ ምድሪ ዝነበሩ ሓዋርያት ምርኻቡ ጐይታ ዘመናት ምዃኑን ሰባት ብዘመን ዝውሰኑን ዝሓልፉን ክኾኑ ከለዉ ጐይታ ግና ትማልን ሎሚ ጽባሕን ንሱ ሓደ ዘይልወጥ አልፋ ወ ዖ ዘለዓለማዊ ጐይታ ምዃኑ ኣርኣየና።

ብሓቂ እዛ ቅድስት ደብሪ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እያ። ጐይታ ማእከላ ዝኾነ ሓዋርያትን ነቢያት ዝርከቡላ፤ ትንቢት ነቢያት ዝንገራን ስብከት ሓዋርያት ዝስበኸላን ክልቲኡ ተሰማሚዑ ዝርከባላ ቅድስት ደብሪ ቅድስት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን እያ። 


ነየናይ ኣልዒልና ነይናይ ክንገደፍ? ብሓጺሩ ኣብ ደብረ ታቦር ጐይታ ክንመሃሮ ዝሰርዓልና ኣዝዩ ብዙኅ ትምህርቲ ኣሎ፤ ንዝያዳ ምሥጢር ድማ ትርጓሜ መጻሕፍተ ወንጌል ንመልከት፤ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ንሕተት።

ክብረ በዓል ደብረ ታቦር
ቤተ ክርስቲያን ነዚ ክቡር በዓል ካብ ዋዜማ ኣትሒዙ ብዝተፈላለየ ነዚ በዓል ዝምልከት መዝሙር ብምዝማርን፡ ማኅሌት ብምቋምን ብክቡር ቅዳሴኣን ብዝደመቐ ኣገባብ ተኽብሮ እያ።

እዚ ክብረ በዓል ካብ ካልኦት በዓላት ፍልይ ብዝበለ ናይ ተምሃሮ በዓል ተባሂሉ ብልምዲ ይፍለጥ እዩ። እዝ ኸኣ ብፍላይ ካብ ስድርኦምን ቤተ ሰቦምን ተፈልዮም ቃለ እግዚአብሔር ክምዕርሩ መምህራንን ሊቃውንትን ናብ ዝርከቡሉ ደብሪ ወይውን ገዳም ኣርሒቖም ዝወፍሩ ተምሃሮ (ናይ ‘ቆሎ’ ተምሃሮ) ነዚ በዓል ብፍሉይ ስለዘኽብርዎ እዩ። ጐይታ አብ ደብረ ታቦር ነቶም ሓዋርያቱ ምሥጢሩ ከምዝገለጸሎም፡ ባህጊ ተምሃሮ’ውን አእምሮኦም በሪሁ ቀልጢፎም ቀለም ከጽንዑን ምሥጢሩ ክገልጸሎምን 
ስለዝኾነ ነታ መዓልቲ ብዝደመቐ መገዲ የኽብርዋ። ንሓዋርያት ዝገልጽካ ንዓና’ውን ግለጸልና ብምባል።


ቀደም መምህራን ኣብ ዝርከቡሉ ደብሪ ዝመሃሩ ተምሃሮ በብወገኖም ኮይኖም ነቲ በዓል ዝኸውን ጥረ ምረን ካልእን ካብተን ከባቢኦም ዝርከቡ ዓድታት ክእክቡ ይቕንዩ። ፍርቑ ንዝብላዕ ክኸውን ከሎ እቲ ፍርቁ ድማ ንስዋ ገይሮም ይቐራርብዎ። ኣብቲ መዓልቲ ክብረ በዓል ድማ ንካህናትን መምህራኖምን ካልኦትን ዓዲሞም የብዕልዎ። በቶም ዓበይቲ ካህናት ድማ ይምረቑን ብራኬን ምኽሪን ድማ ይቕበሉ። ኣብ ዞባ ደቡብ ማይ ላሕም ኣብ ዝኣመሰሉ ውሑዳት ናይ ቅኔ ቤት እዚ ጥንታዊ ሥርዓት ተዓቂቡ እኳ እንተሎ፤ ሎሚ ምስ ዘመናዊነትን ምክታም ደብርታትን እቶም ኣብ ከተማ ምስ ወለዶም ኮይኖም ብምቾት ዝመሃሩ ተምሃሩ፤ ምስቲ ከባቢኦምን ናብርኦምን ብዝዛመድ ኣገባብ ነቲ በዓል ዝዝክርዎ ኣለዉ። 


ኣብ ገዳም’ውን ብተመሳሳሊ እቶም ኣርድእትን ተምሃሮን ካብ ኵሎም መነኮሳት ዝዓቕሞም ይእክቡ እሞ ካብ መጋቤ ብዝወሃቦም ደገፍን ወሰኽ ናቶም ገይሮምን ንኵሎም መነኮሳት ድኅሪ ቅዳሴ ኣብ ቤት እግዚአብሔር (ቤት ምርፋቅ) ዓዲሞም ተዓጢቖም የገልግሉን ነቶም ዕዱማት የሰስዩን የስትዩን። ኣብ መወዳእታ ድማ በቶም ዓበይቲ መነኮሳት ስለቲ ርድእንኦምን መጻኢ ኣካይዶኦምን ዝምልከት ልቢ ብዘጥልሉ ቃላት ይምርቑን ቡራኬን ምኽሪን ይወሃቡን።


ደብረ ታቦርን ንሕናን ኸ?
ደብረ ታቦር ዓቢይን ድንቅን ሥራሕ ዝተፈጸመሉ እዩ። ብዙኅ ምሥጢር’ውን ዝሓዘለ እዩ። ቅድሚ ኵሉ ግና ርትዕቲ ዝኾነት ተዋሕዶ ሃይማኖትና ኣጽኒዕና ክንሕዝ፤ ምስክርነትና ምስክርነት ሓዋርያት ኮይኑ ክርከብ ዝምዕድ እዩ። የማነ ጸጋም ብዝነፍስ ጋሻ ትምህርቲ ከይተወሰድና ትምህርቲ ደብረ ታቦር ንዘክርን ነስተውዕልን።


ብምቕጻል ኸኣ ሎሚ’ኸ ንሕናን እዚ በዓል’ን ከመይ ኣሎና ኢልና ንርእስና ምሕታት ይግባእና እዩ። እቲ ኣብኡ ንዝተፈጸመ ድንቂ ሥራሕ ምፍላጥን ምስትንታንን ጥራይ ዘይኮነስ ንዓይ ኸ እንታይ መልእኽቲ ኣለዎ ኢልና ክንጥይቕ መንፈሳዊ ግዴታና እዩ።
ሓደ ካብቲ መልእኽቱ ኸኣ ንሕና’ውን ክንሳተፎ ንዝግባእና ምሥጢርን ጸጋን ክንርእይን ክንነብረሉን ነታ ብደብረ ታቦር ናብ እትምሰል ቤተ ክርስቲያን ኣንጊህና ክንግስግስ ዝግባእና ምዃኑ እዩ። መዝገብ ምሥጢር ርቱዕ ሃይማኖት ናብ ዝርከበላን፡ ግምጃ ጸግኡ ናብ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ምስ እንኸድ ድማ ምስክርነቶም ሓቂ ንዝኾነን ምግቢ ነፍስ ኮይኖም ንዘገልግሉና ነቢያትን ሓዋርያትን (ብሉያትን ሓዲሳትን) ምስ ትርጒሞም ክንረኽቦም ኢና። ብንጽሕናን ንስሓን ናብዚ ደብሪ ምስ እንድይብ ድማ ልዕሊ ኵሉ ዘለዓለማዊ ዝኾነ ሕይወት ዘውህብ ቅዱስ ሥግኡን ክቡር ደሙን ክንረክብ ኢና። ኵሎም ምሥጢራት ጸጋ’ውን ኣብዚኣ ኣማናዊት ደብረ ታቦር ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኢና እንረኽቦም። ምኽንያቱ መሥራቲኦምን ዋናኦምን ዝኾነ ልዑል እግዚአብሔር ማኅደሩ አሐቲ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ታቦር ስለዝኾነት።


እወ ኣብዚኣ ቤት ሓዋርያት ኣለዉ፤ ነቢያት ኣለዉ። ኵሎም ቅዱሳነ እግዚአብሔር ኣለዉ። ስብሐተ እግዚአብሔር ዝቐርበላ፤ ክብሪ እግዚአብሔር ዝንገረላ ቅድስት ቤት ድማ እያ። ናይ እግዚአብሔር ሓድነትን ሠለስትነትን፤ ናይ ክርስቶስ ኣምላኽና ፍጹም ተዋሕዶ ዝእመነላን ዝስበኸላን ደብሪ እያ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን። ነዚ ክብሪ ንምርኣይ ግና ናብቲ በሪኽ እምባ ንኵሉ ድኻምን መከራን ተጻዊርካ ምድያብ ናይ ግድን እዩ። ኣብ ላዕሊ ከይሓዀርኻ ነዚ ኵሉ ምርኣይ ዝከኣል ኣይኮነን። ግና ናብዚ ነዊሕ ከረን ንምድያብ ንሕና ክሳብ ክንደይ ተቐሪብና ኣሎና? ድሌት ጥራይ ዘይኮነስ ክሳብ ክንደይ ተበጊስና ኣሎና? ምኽንያቱ ከይተበገስካ ዝብጻሕ ስለዘየልቦ! ከይተቐረብካ’ውን ዝወሃብ ስለዘየልቦ። ብኸመይ ኢና ንቐርብ ከ?


ቅዱስ ዳዊት ነዚ ኣመልኪቱ ከምዚ ኢሉ ይሓትት “እግዚኦ መኑ የኃድር ውስተ ጽላሎትከ። ወመኑ ያጸልል ውስተ ደብረ መቅደስከ..” (ኦ  እግዚኣብሄር፡ ኣብ ድንኳንካ ዚሐድር መን እዩ? ኣብቲ ኸረን ቅድስናኻ ዚነብርከ መን እዩ?)። ነዚ ረዚን ሕቶ ድኅሪ ምሕታት ከኣ ከምዚ ኢሉ ምላሹ ይህብ። “እቲ ብቕንዕና ዚመላለስን ጽድቂ ዚገብርን ብልቡ ሓቂ ዚዛረብን፡ ብልሳኑ ዘይሐሚ፡ ንመሓዛኡ ገለ ኽፉእ ዘይገብሮ፡ ንብጻዩ ዘይጸርፎ፡ እቲ ጽዩፍ ንዑቕ ኰይኑ ዚረኣዮ፡ ንፈራህቲ እግዚአብሔር ግና ዜኽብሮም፡ ዚጐድኦ እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ዝመሓለሉ ዘይልውጦ፡ ገንዘቡ ብሓርጣ ዘይህብ፡ ንጒድኣት ንጹህ ከኣ መማለጃ ዘይቕበል፡ እቲ ኸምዚ ዚገብርሲ ንዘለኣለም ኣይናወጽን እዩ።” ይብል። ብሓፈሻ ቅዱስ ዳዊት ብኵሉ ኣካላቱ ንእግዚአብሔር ዘይብድል፤ ከም ፈቓድ እግዚአብሔር ዝመላለስ ንጹሕ ሰብ ኣብቲ ቅዱስ ከረኑ ጸኒዑ ክነብር ከምዝኽእል ይገልጸልና።
 ንእግዚአብሔር ክርእይ ዝደልይን ዝኽእል’ውን ንጹሕ ዝኾነ ምዃኑ ጐይታ ባዕሉ ኣብ መልዕልተ ደብር ስብከቱ ሓደ ካብ አንቀጸ ብጹዓን ገይሩ ነጊሩና እዩ። “ጽሩያት ልቢ፡ ንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም እሞ፡ ብጹዓን እዮም”። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ነዚ ዝገልጽ ተመሳሳሊ ነገር “ብዘይ ቅድስና ሓደ እኳ ንእግዚአብሔር ኣይኪርእዮን እዩ እሞ፡ ንቕድስናን ንሰላም ምስ ኲሉ ሰብን ስዐብወን።” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (ዕብ ፲፪፥፬)። ስለዚ ናብዚ ሰማያዊ ክብሪ ዝርከበላ ቅድስቲ ከረን ክንድይብን ብሰናይ ግብርታቱን በረኸቱን ንእግዚአብሔር ክንርእዮ እንተደሊና ከምቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝብልዎ ብንጽሕና ንመላለስ። ንንጽሕና ኸኣ እንኮ መገዳ ንስሓ እያ።


ብሓቂ ድማ ናብዚኣ ከረን ዝደየበ ሰብ ከም ባራቅ ንኽዕወት ኣብቲ ኣሎኒ ዝብሎ ጠፋእን ኃላፍን ሥጋዊ ነገር ዘይኮነሲ እምነቱን ትውክልቱን ኣብ እግዚአብሔር ይገብር፤ ከምኡ ምስ ዝገብር ድማ ንኵሉ ተጻባኢን ፈታንን ይስዕር። ወራሲ መንግሥቱ ድማ ይኸውን።


ስለዚ ከምቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝበሎ ኣብዚኣ ቅድስት ደብሪ ምንባር ንዓና ጽቡቕ እዩ እሞ ነቲ ኅርያ ነፍስና ነመዓራሪ።
ምንጪ፡ http://maeadot.blogspot.com

እግዚአብሔር ምሕረቱ የብዝኃልና። በረኸት በዓሉ የሳትፈና።


Saturday, August 13, 2011

በረኸት አበው ንካፈል

+ በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
ማቴ 5፡39 “ኣነ ግና እብለኩም ኣለኹ ንኽፉእ ኣይትቃወምዎ። የማነይቲ መልትሕካ ንዚወቕዓካ ግና እታ ኻልኣይቲውን ምለሰሉ።”
ልቃውንቲ ቤተክርስትያና ነዛ “የማነይቲ መልትሕካ ንዚወቕዓካ እታ ኻልኣይቲውን ምለሰሉ” ትብል ብፍሉይ መንፈሳዊ ዓይኒ ይጥምቱዋ። መጀመርያ “ንኣይሁድ ኮነ ንጽርኣውያን ወይስ ንማሕበር ኣምላኽ ኮነ መዓንቀፊ ኣይትኹኑ” (1 ቆሮ 10፡32) መዓንቀፊ ኣይንኹን። ከመይ! ጠንቂ ኩራ ሓውኻ ንስኻ ካብ ኮንካ እታ ካልኣይቲ መልትሕካ ውቕዓኒ ትብሎስ ቑጥዓ ተነሃህር ኣለኻ እምበር ኣየዝሓልካዮን። ስለዚ “ልኡም ምላሽ ንቑጠዓ የህድኦ” (ምሳ 15፡1) ዝብል ዓቢ ምኽሪ ካብ ተዋህበና እንታይ ደኣ እዩ እቲ ምስጢር፤ እታ ካልኣይቲ መልትሕካ ስጋዊ ዘይኮነስ ብውሽጥኻ ብልብኻ ዝስመዓካ በደል እዩ። ኣነ ንሓወይ ኣቖጢዐዮ ኢልካ ዝስመዓካ ሓቀኛ ውሽጣዊ ሓዘን እዩ።
በረኽቶም ምስ ኩላትና ይኹን። ኣሜን!!!

Thursday, July 21, 2011

ብራና

ብራና ማለት ካብ ቆርበት ጤል፥ በጊዕ፥ ምራኽን ….. ወዘተ ዝዳሎ ከም ወረቐት ዘገልግል ዝነበረ ኮይኑ፥ ንኽትጽሕፈሉ፥ ክትስእለሉን ክትደጕሰሉን (ክትሽፍነሉ)
ተባሂሉ ብጥንቃቐን ርእሱ ብዝኽኣለ ብልሓትን ዝዳሎ ንስራሕ ጽሕፈት ዝጠቅም እዩ። ከምዚ ሎሚ ዓለምና ብወረቓቕቲ ከይመልኣት፥ ዘመናዊ ቤት ማሕተማት ከይተመሥረቱ፥ ናይ ጽሕፈት መኪናን ኮምፒተራትን ከይተማህዙ ከለዉ፥ ብሓፈሻ ናይ ወረቐት ስራሕን ዝተፈላለዩ መሣርሒ ሥነ-ጽሑፍን ከይማዕበሉ ከለዉ፥ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለምና ንነዊሕ ዘመናት ብራና ይጥቀማ ከምዝነበራ ኣብ ማህደር ታሪኽ ተሰኒዱ ንረኽቦ። ኣብ ሃገርና ኤርትራ እንተ ኾነውን ንመንፈሳዊ ኣገልግሎት ዝኾኑ ቅዱሳት መጻሕፍቲ፥ ንማሕበራዊ ናብራን ሕግታት እንዳባን ዝጥቀሙሎም ታሪኻዊ መዛግብቲ ኣብ ብራና ተጻሒፎም ንረኽቦም። ብሓፈሻ ብራና ብድሕሪ ደቂ-ሰባት ካብ ቀጸላ እምኒን ዕንጨይትን ምጽሓፍ ቀጺሎም ዘማዕበልዎ ኣገባብ መጽሓፊ ብራና ምዃኑ ይንገር። እስከ እምበኣር ንሎሚ ብዛዕባ እዚ ኣብ ገዳማትን ኣድባራትን ኣብ ሓያሎ ቤተ መዛግብትን ተዓቂቡ ዝርከብ ጥንታዊ ቅርስናን ዕቁር ታሪኽናን ዝሓዘ መጽሓፈ- ብራና ዓቕምና ብዝፈቕዶ መጠን ዘዳለናዮ ሓጺር ጽሑፍ ንከታተል።

ብራና ክዳሎ ከሎ እቲ ቆርበት ብዕንጨይቲ ተወጢሩ፥ ጸጕሩ ተፋሒቑ፥ ብጨውን ዝተፈላለየ ቀመማትን ተነስኒሱ፥ ዓቐኑን ቅርጹን ተደላዲሉ ብግቡእ ምስ ተጻፈፈ ንዝኾነ ስራሕ ጽሕፈት ድልው ይኸውን። እዚ ከቢድ ድኻምን ረቂቕ ብልሓትን ዝሓትት ኣገባብ ሥነ-ጽሑፍ ብራና ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናማዕበለን እናሰፍሐን ንነዊሕ ዘመናት ቀጸለ። እቶም ብኸምዚ ዓይነት ኣገባብ ብነዊሕ ጊዜን ኣድካሚ ኩነታትን ዝተዳለዉ መጻሕፍቲ ብራና ድማ ኩሎም ብዙሕ ጥንቃቐን ክንክንን ዘድልዮም እዮም። ምኽንያቱ ጽሑፋት ብራና ብማይ፥ ጠሊ፥ ሓዊ ባልዕን ሰረቕትን ብቐሊሉ ክበላሸዉን ክጠፍኡን ስለዝኽእሉ ብጥንቃቐን ሓላፍነታዊ ክንክንን ክትሓዙ ግድን ይኸውን። ብፍላይ ኣብተን ዓበይቲ ኦርቶዶክሳውያን ገዳማት ኤርትራ ብዝሒ ዓቕሚ ሰብን ነናቱ መደብ ዕዮን ስለ ዝነበረን፥ ብደረጃ ክፍሊ ሥነ-ጽሑፍ ብምቛም፥ ገለ ቆርበት ኣኪቦም ዘልፍዑን፡ ተመሳሳሊ ዓቀንን መስመርን ዘለዎ ጌሮም ዘዳልዉ፥ ገሊኦም ከኣ መጽሓፊ ዝኸውን በብዓይነቱ ቀለም ካብ ኣቝጽልትን ዝተፈላለየ ነገራትን ኣወሃሂዶም ዘቕርቡ፥ ገሊኦምውን እቲ ዘድሊ ኩሉ ጽሑፋት ብጥንቃቐ ጽሒፎም ብስእሊ ኣወቂቦም ገበር ናይቲ መጽሓፍ ደጕሶም (ሸፊኖም) ሥርዓተ-ገዳሞም ከም ዝእዝዞ መደብ ዕዮኦም ፈጺሞም ንማሕበሮም ብትግሃት ዘረክቡ ዝነበሩ ኣበው ውሑዳት ኣይኮኑን።

ብተወሳኺ እዞም ብራና ናይ ምጽሓፍ ፍሉይ ሞያን ብቕዓትን ዝነበሮም ኣቦታት በቲ ዘለዎም ተውህቦ ንቤት እግዚኣብሔር ከገልግሉን ፍቓድ ማሕበሮም ክፍጽሙን ደኣ እምበር ካብዚ ወጻኢ ዝደልይዎ ዝኾነ ውልቃዊ ረብሓን ዘየድሊ ዝናን ኣብ ሕይወቶም ዘይሕሰብ ነገር እዩ። ምኽንያቱ ከምቲ ቅዱስ ወንጌል ‘’ወዘኣትሓተ ርእሶ ውእቱ ይከብር’’ ማለት ‘’እቲ ርእሱ ዘትሕት ልዕል ክብል እዩ’’ (ማቴ 2312) ክብል ዝገለጾ፥ እዞም እሙናት ኣቦታት ከኣ ብትሕትናን ፍቕርን ዝግለጽ ሕይወት ጥራይ እዩ ቀንዲ ዕላምኦም ዝነበረ። ካብቶም መንፈሳውያን ኣማሓደርቲ ኣቦታትና ድማ ‘’እግዚኣብሔር ዕሴተ ጻድቃን፥ ዓስበ ትሑታን ይኽፈልኩም’’ ተባሂሎም ብጸሎተ-ማሕበር ምርቓን ቡራኬን ይወሃቦም። እቲ ኣብ ብራና ዝተጻሕፈ ቅዱሳት መጻሕፍትን ገድለ-ቅዱሳንን ድማ ከከም ኵነታቱ ናብ ካልኦት ገዳማትን ኣብያተ-ክርስቲያናትን ብምልኣኽ ውሉደ-ክህነት ክረብሕሉን ህዝበ-ክርስቲያን ክባረኽሉን ይነብር። እቶም ዝተረፉ መጻሕፍቲ ብራና ከኣ ብግቡእ ክንክን እናተታሕዙ ንመንእሰያት መምሃርን ኣብ ቤት ንባብን ንመወከስን ተባሂሎም ይዕቀቡ። እዚ ሎሚ ኣሎና እንብሎ ኩሉ ጥንታዊ ቅርስታትን ታሪኻዊ መዛግብትን ከኣ ኣብ ብራና ተዓቂቡ ዝጸንሐ ምዃኑ ክንዝንግዖ  ኣይግባእን

ንኣብነት ኣብ ገዳም ደብረ ቢዘን 1492 .. ብከምዚ ኣገባብ ዝተዳለወ መጽሓፍ ሰማንያ ወኣሃዱ (፹፩) ዝበሃል፥ ጽዕነት ኣድጊ ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ እተን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና እትቕበሎም 81 ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣብ ብራና ተጻሒፎም ከም ሓደ ዓቢይ መጽሓፍ ተጠርኒፉ ክትርእዮ ከሎካ፥ ብጣዕሚ ዘገርምን ዕጹብ ድንቂ ስራሕን ካብ ምባል ሓሊፍካ ካልእ ዝበሃል ነገር የልቦን። ምኽንያቱ እዚ ብሉይ ኪዳን ምስ ሓዲሽ ኪዳን ዝሓዘ መጽሓፍ ሰማንያ ወኣሓዱ ዝበሃል ክሳብ ሎሚ ተወዳዳሪ ዘይተረኽቦ፥ በዓል ሰለስተ ዓምደ ጽሑፍ፥ 48 X 39 ሴንቲ ሜትር ዝመጠኑ፥ 45 መስመር ጽሑፍ ዘለዎ፥ 1152 ገጻት ዝሓዘ፡ ግዙፍ መጽሓፍ ቅዱስ ንዝርኣየ ሰብ፡ ኣብቶም ቀዳሞት መንፈሳውያን ኣቦታትና ዝነበረ ጽንዓት እምነትን መንፈሳዊ ትግሃትን ብሓቂ ሠናይ ቅንኢ ዘሕድረልካ ግብራዊ ትምህርትን ኣብነትን እዩ። ስለዚ ንዝኾነ መንፈሳዊ ዕዮ ይኽበድ ወይ ይፍኮስ ብዘየገድስ ብእምነትን ሠናይ ድሌትን እንተ ተቐቢልካዮ ብደገፍ ኣምላኽ ዕዮኻ ሰሊጡ ንህዝብኻ ንበረኸትን ንመጻኢ ወለዶታት ድማ ዓቢይ ክብረት ይኸውን። ስለዚ ክቡር ታሪኽን ጥንታዊ ቅርስን ኣሎና ክንብል እንተ ደኣ ኮይንና ዝሓለፈ ብምዕቃብን ንመጻኢ ተጊህካ ብምስራሕን ጥራይ እዩ መጻኢ ወለዶና ካብ ቤተ ክርስቲያኑ ክረብሕ ዝኽእል።
መጽሓፈ--ብራና
ኣብ ጥንታዊ መጻሕፍቲ ብራና እምበኣር ቅዱሳት መጻሕፍቲ፥ ታሪኽ ሕይወት ቅዱሳን፥ መንፈሳዊ ተኣምራት፥ ናይ ደቂ ሰብ ወለዶታት፡ ዘመነ-መንግሥታት፥ ኣገደስቲ ታሪኻዊ ፍጻሜታት፥ መግለጺ ናይ ቦታታት፥ ኣቃውማ ዓድታትን ከተማታትን …….. ወዘተ ሰፊሕ ዓውደ ትምህርትን ምንጪ ሥነ-ፍልጠትን ዝኾኑና ብጽሑፍን ስእልን ተሰኒዶም ንረኽቦም። ኩሎም ጥንታዊ ናይ ብራና ጽሑፋትና ድማ መሠረት ናይዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘሎ ዘመናዊ ሥነ-ፍልጠትን ደረጃ ምዕባለን ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን። ኩልና ከም ንፈልጦ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ኣብ መንፈሳዊ፥ ማሕበራዊ፥ ባህላውን ታሪኻውን ሕይወት ህዝብናን ሃገርናን ዘበርከተቶም ነገራትን ቅርስታትን ብቐሊል ዝግመት ኣይኮነን። ተገዲሱ ሕሉፍ ታሪኹ ዘይፈለጠ ህዝቢ ድማ፥ መጻኢ ሕይወቱን ክብሪ መንነቱን ብግቡእ ዘይፈልጥ ስለ ዝኸውን፥ ጥንታዊ ቅርስታትናን ብዋጋ ዘይሽነን መንፈሳዊ ንብረትናን ብጥንቃቐ ዓቂብና ብሓላፍነታዊ መገዲ ምጥቃም ናይ ኩልና ህዝበ ክርስቲያን ሞራላውን ማሕበራውን ሕድሪ ምዃኑ ክንፈልጦ የድሊ።

ኣብ መደምደምታ ሓዋርያ ጳውሎስ ነቲ ብወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ ዝወለዶ ጢሞቴዎስ ወዱ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ‘’ክትመጽእ ከሎኻ እቲ ኣብ ጢሮኣዳ ምስ ቀርጳ ዝሓደግክዎ ባርኖስን እቲ መጻሕፍትን፥ ምናዳ እቲ ብራናታት ተማልኣለይ’’ በሎ (2ጢሞ 4፡13)። ካብዚ ጥቕሲ እዚ ክንርድኦ ከምንኽእል ቅዱሳት መጻሕፍቲ ቅድም ኣብ ብራናታት ከም ዝተጻሕፉን ብጽቡቕ ስለ ዝተዓቀቡውን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶታት እናተሰጋገሩ፥ ሎሚ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ተተርጕሞም ብርሃን ወንጌል መገዲ ሕይወትን ክንፈልጥ ይጠቕሙና ኣለዉ። ንሕና ድማ ኣብ ኣብያተ ክርስቲያናትን ገዳማትን ዝርከቡ ኩሎም መጻሕፍቲ ብራና ብዘተኣማምን ደረጃ ንምዕቃቦም ዓቕምና ብዝፈቕዶ መጠን ዘድሊ ጻዕርን ወፈያን ክንገብር በዚ ኣጋጣሚ ከነዘኻኽር ንደሊ። ብተወሳኺ ከኣ ኣብ ኣባይቲ ውሉደ ክህነትን ዓበይቲ ዓድን ዝርከቡ ብራናታት ብግቡእ ተታሒዞም ንመጻኢ ወለዶና ኣብ ምስግጋር እጃምና ከነበርክት ከምዝግብኣና ኣይንዘንግዕ። ስለምንታይሲ ብጽሑፍ ዝተዓቀበ ታሪኽ ፍጹም ዝመውት ኣይኮነን። ብትሕትና ሠናይ ነገር ንኽንሰርሕ ኣምላኽ ልብና የነቓቕሕ።


ምንጪ (tewahdo.org)