Wednesday, December 14, 2011

“እምብዛ ጻድቕ ወይ እምብዛ ለባም ኣይትኹን” መክ 7፡16



በሰመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ!!!

ብክርስቶስ ክርስቲያን ብወልድ ዉልዳን ብመንፈስ ቅዱስ መንፈሳውያን ዝተሰመኹም፡ ትእዛዛት እግዚኣብሔር ፈጸምረቲ ዝኾንኩም፡ ኣፍቀርቲ ቅድስት ቅዱሳን ኣዴና ድንግል ማርያም ናይ ሓደራ ደቃ ብሰናይ ፍቃድ እግዚኣብሔር ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ወርቃዊ ቃል ክንመሃር ክንፍትን ኢና። ከመይ! እምብዛ ጻድቕ ወይ እምብዛ ለባም ኣይትኹን ብነጸላ ትርጉም ክንወስዶ እንተ ፈቲና ብርግጽ ናብ ጌጋ ርድኢት ክንኣቱ ኢና። እቲ ምንታይ’ሲ ቅዱስ ሓዋርያ ጻውሎስ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ናብ ሰብዐ ቆሮንጦስ 2 ቆሮ 3፡6 “ፊደል ይቀትል መንፈስ ህይወት ይህብ” ኢሉ ይግስጸና። ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከሎና ነቲ ህያው ዝኾነ ትርጉም ክንበልዕ ይግባእ። ንጉስ ሰሎሞን ነዚ ቅዱስ ቃል ክጽሕፍ እንከሎ ንጽድቕን ጥበብን ተቃዊሙ ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፤ ካብ ዘይበጻሕካዮን ዘይኾንካዮን ንላዕሊ ኢየ ኢልካ ኣይትመካሕ ክብለና ደልዩ፡ ጽድቕን ጥበብን ደረጃ እንዳ ሓለኻ እየን ዝብጸሓ እውን ይውሰኾ።

ንኣብነት፦ ኣርኣያ ኩሉ ዓለም ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሰማይ ዝዝፋኑ ገዲፉ ኣብ መንጎና ተረኺቡ ብቅዱሳን ኣእጋሩ ንምድሪ ክቕድሳን ክዞራን፡ ብቅዱስ ደሙ ከንጽሃ ከሎ ሓደ ዓቢ ትምህርቲ ብግብሪ ኣርእዩና እዩ ንሱ ኸኣ ትሕትና እዩ። ኣብ ፊሊጲ 2፡6-11 “ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ከነሱ፡ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ከም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን” ቀጺሉ’ውን “መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ ሰብ’ውን መሰለ፡ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኮይኑ ተረኽበ። ርእሱ ክሳዕ ሞት ኣትሓተ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዘ”። ስሙ ንዘለኣለም ይኽበር ይመስገን። ከምዚ ዝበለ ትሕትና ብሓቂ የለን። ኣብዚ ቅዱስ ቃል ብዙሕ ምስጢራት ንረክብ። ሓደ ካብኡ ምስጢረ ስላሴ ኮይኑ እግዚኣብሔር ኣብ እግዚኣብሔር ወልድ እግዚኣብሔር መንፈስ ቅዱስ ሓደ ስልጣን ሓደ ህላወ ሓደ መለኮት አለዎም ኢልና ኣሚንና ሓድነትን ሰለስትነትን ይገልጸልና። ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ከም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን ይብለና። ብሓቂ ነቲ ቅዱስ ፍቕሩ ይገልጸልና። ስለዘፍቐረና ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ ካብ ማእስር ሞት፡ ካብቲ ናይ ጥንቲ ጸላኢና ደብዳቤና ክድምስስ መጺኡ ኣብ መንጎና ተረኺቡ ህይወት ሂቡና። ኣቦና ኣዳም ዝሰኣና ወሉድነት ብጥምቀት መስረተልና። ትሕትና ከኣ እታ ዓባይ ትምህርቲ ኮይና ኩልና ውልድነት እግዚኣብሔር ዝረኸብና ብትሕትና ክንቅነት ከምዘለና ይምዕደና።
ሓደ ሓደ ሰባት ስርሖም ከይመስከረሎም ብኣፎም ወይ ብትምኒቶም ጥራይ ጻድቃን ወይ ጠቢባን ንክኾኑ ይሓስቡ።

ወላዲት ኣምላክ ቅድሚ ንጎይታ ምውላዳ ገረድ ጎይታ ክትከውን እያ ትምነ ነይራ። እዚ ኸኣ ገረዱ ዘይኮነት ወላዲት ኣምላኽ ክትከውን ኣብቀዓ። እዚ ከኣ ትሕቲ፡ ንጽህቲ ብሕሊና ንጽህቲ ብስጋ፡ ንጽህቲ ብነፍስ ስለዝኾነት።
ኣብያተ ክርስቲያናትና ወይ ገዳማትና ኣብ ብርኽ ዝበለ ቦታ ዝስርሓሉ ምኽንያት ካብ ብዙሕ ውሑድ ብዘይ ጻዕሪ ጻማ የለን፡ ካልእ ከኣ ካብ ታሕቲ እንተዘይጀሚርካ ንላዕሊ ከምዘይብጻሕ ምርዳእ። ኣብ ምሳሌ 30፡12 “ርኽሰቱ ዘይተሓጽበ ኣነ ንጹህ እየ ዚብል ወለዶ ኣሎ” ኢሉ ተመሲሉ። እዚ ኸኣ ዝገበርካዮ ዘይብልካ ንጽህና ምህቃን ማለት እዩ። ስለዚ ከይተሃወኽካ ኩሉ ቀስ ብቀስ ይብጻሕ እዩ። ብርሃናት ዓለም ሓዋርያ ጳውሎስ ከምዝበሎ “ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዓደሎ መስፈር እምነት ጌሩ ደኣ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፡ ካብቲ ዝግባእ ኣዕዚዙ ከይሓስብሲ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ በቲ ዝተዋህበኒ ጸጋ እምዕድ ኣለኹ” ሮሜ 12፡3። እምብዛ ጻድቕ ምዃን ማለት ካብ ዝሰራሕካዮ ናይ ጽድቒ ስራሕ ንላዕሊ ከምዝሰራሕካ ምሕሳብን ካብ ዓቕምኻን ንላዕሊ ንዝኾኑ ነገራት ምምናይ ማለት እዩ። ብናይ ቤተ ክርስትያንና ትምህርቲ መሰረት ዓሰርተ ናይ ቅድስና ደረጃታት ኣለው። እዚኣቶም ድማ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ጸማዌ፡ ልባዌ፡ ኣንብእ፡ ጣእሙ ዝማሬ፡ ኩነኔ፡ ፍቅር፡ ሁሰት፡ ንጻሬ፡ ተመስጦን ከዊነ እሳትን እዮም። ጌና ኣብዞም መዓርጋት እዚኣቶም ከይበጻሐ ኣብ ላዕሊ ንዘሎ ናይ ፍጹማን መዓርግ እንተተመንዩ ንገዛእ ርእሱ እምብዛ ጻድቕ ጌሩ ማለት እዩ። እዚ ድማ ዘይብሉ ስለዝተመነየ ኣይጠቕሞን እዩ። ምኽንያቱ እምብዛ ጠቢብ ምዃን ማለት ካብቲ እትፈልጦ ንላዕሊ ከምእትፈልጥ ኳንካ ምሕሳብ ማለት እዩ። ሓደ ሰብ ክኾኖ ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ክኸውን ዝብል እንተኾይኑ ሽግር ይገጥሞ እዩ፡ ማለት “እንቁርዖብ ክንዲ ሓርማዝ ክኸውን እየ ኢላ ብዙሕ ማይ ሰትያ ተተኪሳ” ክምዝብሃል፡ ዘይተማሃርሮ ከምዝተማህሮ ዘይፈለጦ ከምዝፈልጦ ኾይኑ እንተተሰሚዕዎ ግቡእ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ብዙሕ ጥበብ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ብዙሕ ጓሂ ኣሎ፡ እቲ ፍልጠት ዘብዝሕ ስቓይ የብዝሕ” ተባሂሉ ከምዝተነግረ ሓሳብ ብምውራድን ብምድያብን እዩ ዝደክም። መክ 1፡18።
ስለዚ ሓዋርያ ከምዝተዛረቦ ንገዛእ ርእስኻ ብምግታእ ከም ዓቕምኻ ምንባር ይግባእ። ሓደ እኳ ርእሱ ኣይጠብር። ገለ ካባኻትኩም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥበበኛ ምእንቲ ክኸውን ዓሻ ይኹን። 1ይ ቆሮ 3፡18 ብምባል እምብዛ ጥበበኛ እየ ካብ ምባል ርእስኻ ኣትሒትካ ኣይፈልጥን እየ ምባል ዝሓሸ ምዃኑ ኣስተምሂሩና እዩ።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እነንብቦ እግዚኣብሔር ጸጋኡ ዘብዝሓሎም ብዙሓት ቅዱሳን በቲ ዝተዋህቦም ጸጋ ተመኪሖም “ንሕና ሓያላት ኢና” ኣይበሉን። ንገዛእ ርእሶም ደኣ ኣዋረዱ እምበር በቲ ዘለዎም ነገርስ ኣይተዓበዩን። እቲ ዓቢ ናይ እግዚኣብሔር ሰብ ዝኾነ ኣብርሃም ንኣጋእዝተ ዓለም ስላሴ ኣብ ገዝኡ ንምእንጋድ በቕዐ ጻድቕ ከነሱ “ኣነ ሐመድን ሓምኹሽትን እየ” ኢሉ። ዘፍ 18፡27። እቲ ነብይን ንጉስን ዝኾነ ቅዱስ ዳዊት ውን ሳኦል የሳጉጎ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ንንጉስ ሳኦል ከምዚ ኡሉ ተዛሪብዎ። “ናይ እስራኤል ንጉስ (ሳኦል) ደድሕሪ መን እዩ መጺኡ ዘሎ፤ ንመንከ ኢኻ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ፤ ንምዉት ከልቢ ንሓደ ቁንጪ፤ 1 ሳሙ 24፡15። እዚ ጻድቕ ሰብ’ዚ ገዛእ ርእሱ ብትሕትና ከመይ ጌሩ ከምዘዋረደ እዩ ዘርእየና። ከምኡ’ውን ኣብ ካልእ ምዕራፍ “ኣነ ሓሰኻ እምበር ሰብ ኣይኮንኩን” ክብል ተዛሪቡ’ዩ። መዝ 22፡6 ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን “ንዓይ ቁላዕ ንዘመስል” ተራእየኒ 1 ቆሮ 15፡8 “ነቶም ኣነ ዝቐዳማዮም ሓጥኣን ክብል እዩ ንገዛእ ርእሱ ዘትሓተ 1 ጢሞ 1፡16።
ኣብርሃም’ውን “ዓሌታት ኩላ ምድሪ ድማ ብኣኻ ክባረኹ እዮም” ተባሂሉ ብእግዚኣብሔር ተጸዊዑ ከሎ ንነፍሱ ከም ሐመድን ሓሙኹሽቲ ደኣ ቆጸራ’እምበር ንገዛእ ርእሱስ ኣየጽደቐን። ዘፍ 12፡3። ቅዱስ ዳዊት’ውን ዋላ’ኳ እግዚኣብሔር “ከም ልበይ ዝኾነ ወዲ እሴይ ረከብኩ” ኢሉ ከም ዝመረጾ እንተፈለጠ ንነብሱ ከም ጻድቕ ኣይቖረራን 1 ሳሙ13፡14። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ብኢየሱስ ክጽዋዕ ከሎ “ምሩጽ ኣቕሓ” ከምዝተባህለ ይፍለጥ  እዩ። ግ.ሓ 9፡15 ኮይኑ ግና ሓጢኣተኛ ምዃኑ ተዛረበ’ምበር ንነብሱስ ከም ጻድቕ ኣይቆጸራን።
ስለዚ እምበኣር ካብዚ እንርድኦ ገዛእ ርእስኻ ምትሓት ደኣ እምበር ምልዓል ከምዘይግባእ እዩ ዘረድኣና። ሰለዝኾነውን ጠቢቡ “እምበዛ ጻድቕ እምብዛ’ውን በዓል ጸጋ አይትኹን” ክብል ተዛሪቡ እዩ። ጎይታናውን ኣይኮነንዶ ብዘይገበርናዮስ ብዝገበርናዮውን እንተኾነ ክይንምካሕ “ዝተኣዘዝክምዎ ኩሉ ምስ ገበርኩም ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና እቲ ክንገብሮ ዝግባኣና ኢና ዝገበርና በሉ” ኢሉና’ዩ። ሉቃ 17፡10። ጠቢቡ ነዚ ዝተዛረበ፡ ሰብ ብዘይ ልክዕ ገዛእ ርእሱ ንኽየጽድቕ እዩ። ነዚ’ዩ ኸኣ “ጻድቕ ብጽድቁ ዚጠፍእ ኣሎ ረሲእ ድማ ብግበሪ እከዩ መዓልትታቱ ዘንዉሕ ኣሎ ነዚ ኹሉ ብመዓልትታት ከንቱነተይ ረኣኹዎ” ዝበሎ። መክ 7፡15 “ጻድቕ ብጽድቁ ዝጠፍእ ኣሎ” ማለቱ ብዝገበሮ ሒደት ናይ ጽድቂ ስራሕ ምስ ተመክሐ ክምዝጠፍእ ከረድኣና ከሎ እዩ፡ “ረሲእ’ውን ብኽፍኣቱ ነዊሕ ዘመን ክነብር ከሎ” ማለት ነቲ ሓጥእ ዋላ’ኳ ነዊሕ ዘመን እንተሃቦ ኣብ ክንዲ በደሉ ተመልኪቱ ንስሓ ዝኣቱ ምስ ክፍኣቱ ክነብር መሪጹ ማለት እዩ። ስለዚ ህዝበ ክርስቲያን ጽድቅና ብሕቡእ እምበር ብኣፍና ኣይኹን፡ ጥበብ እንተደለና ከኣ ናብቲ ጥበበኛ ተሞርኪስና ኣብ ትሕቲ ምሕረቱ ክነብር ትሕትና ክንዕጠቕ ይግበኣና እዩ እሞ ኩሉ ምስጋና ንእግዚኣብሔር ሂብና ብሰላም ክነብር ፍቓዱ ክንመልእ ብቅዱስ መንፈሱ ይሓግዘና። ወላዲት ኣመላክ ብቅድሚትን ድሕሪትን ኮበኪባ ንዓስቢ ሰማያት ተብቕዓና።

ወሰብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድነግል
ወለመስቀሉ ክቡር። ኣሜን!!!