ርኽሰቱ ዘይተሓጽበ "ኣነ ነጹሕ እየ" ዝብል ወለዶ ኣሎ። (ምሳ 30፡12)
[There is] a generation [that are] pure in their own eyes, and [yet] is not washed from their filthiness. (Proverbs 30:12)
ንሃዋርያነቶም(ንነብሶም) ብዝግባእ ንእግዚኣብሔር ዘገልገሉዎ፡ ብሰማእትነት ሂወቶም ዘበጀው ቅዱሳን፡ ካሃናት፡ ነብያት፡ ነገስታት ኣለው። ከመዚ እንከለው ግን ኣነ ሓሰኻ እየ፡ ሳዕሪ እየ፡ ዘይረብሕ እናበሉ ንነብሶም የትሕቱ ነበሩ። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ'ውን ካብ መላእክቲ ንቁሩብ ግዜ ኣትሓትካዮ ዝብል ትንቢት ከምዝፍጸም ጌሩስ ትሕት ምባል ኣብ ሂወትና ኣድላይ ምዃኑ ኣረዲኡናን ምሂሩናን እዩ። ሓደ ካብ ቅዱሳን ኣቦታትና ከልቢ ተባሂሉ ምስ ተጸርፈ በህዱእ መንፈስ እወ ዝሓወይ ካብዝግበኣኒ ንላዕሊ ክብረት ሂብካኒ! ከልብስ ካባይ ይሓይሽ፡ ንዋንኡ ክሳብ ምቃብር ይሕልዎ ኣነ ግን ንፈጣርየይ ብዝግባእ ኣየገልገልኩን ኢሉዎ ንብለኩም። ካልእ ሰብ እንተዝኾውን ግና ሕማቕ ምተሰመዖ ግብረ-መልሲ ከኣ ምሃበ ነይሩ ሓቀይ! ወላዲት ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣዴና ከኣ ነቲ ብርሃን ዓለም ዝኾነ ወልድ እግዚኣብሔር ገረዱ ወይ ጊልይኡ ክትከውን ትጽሊ ነበረት። ድንግል በሒሊና ወድንግል በስጋ ስለዝኾነት ካብ ኩለን ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ ኣሉ ቅዱስ ገብሪኤል ኣበሰራ። ማሕደር ወይ ማህጸን እግዚኣብሔር ደኣ ኮነት። ትዕቢት ንውድቀት ትቅድማ ትሕትና ግና ነቶም ዝተዋረዱ የማነይቲ ኢድ እግዚኣብሔር ተልዕሎም። በረኸት ኣበው ድንግል ማርያምን ምስ ኩልና ይኹን። ኣሜን!!!
No comments:
Post a Comment