Friday, February 10, 2012

ገድሊ ኣቡነ ኣቢብ


በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

ገድሊ ኣቡነ ኣቢብ ምስ ዲያብሎስ ካብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቅ።
እዞም ቅዱስ ኣቦ ብብሕትውና ካብ ኣቡነ ኣንጦኒ 3 ዝኾኑ፡ ቅዱሳት ቦታታት ክበጽሑ ንኢዮርሳሌም ኣብ ዝኸዱሉ እዋን እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንሰይጣን ኪድ ንገሮ ኢሉ ብዝኣዘዞ መሰረት፡ ሰይጣን ድማ ሓንቲ ከይሓብአ ከመይ ገይሩ ንደቂ ሰባት ከም ዘስሕቶም ሓደ ብሓደ ንኣቡነ ኣቢብ ገለጸሉ። ሰይጣን ንኣባ ቡላ ወይ ድማ ኣቡነ ኣቢብ ድላይካ ሕተተኒ ፈትየ ዘይኮንኩስ እግዚኣብሔር ኩሉ እቲ ግብርኻ ንዓለም ከመይ ጌርካ ከም ተስሕታ ንፍቑረይ ኣቢብ ንገሮ ተባሂለ ስለዝተኣዘዝኩ ከይሓባእኩ ክነግረካ እነኹ ተኣሲረ መጻአ ኣለኹ። ዝደለኻ ሕተተኒ። ኣብኡ ንኣቢብ ድማ ከምዚ ኪብሉ ሕቶኦም ጀሚሩ። 

ሕቶ ንሰብ ብዘይፍቃድ እግዚኣብሔር ከመይ ጌርኩም ተስሕትዎም ዘለኹም። 
መልሲ፡ ንሕና ብፍቃድ እግዚኣብሔር እንተተምላሊሱ ከነስሕቶ ይትረፍ' ጥቅኡ ምቕራብ ንፈርህ ኢና።
        ንሕና ነስሕቶ ግና ካብ መንገዲ እግዚኣብሔር ክእለ ከሎ ኢና። ኣብዚ ግዜ ግና ምቹእ ናይ
        መእተዊ ዕድል ንረክብ እሞ ከም ቃሕ ዝበለና እናገበርና ንሕልንኡ ንቆጻጸሮ። ንኣብነት ህጻን
        እንተኾይኑ ኣዲኡ ስም እግዚኣብሔር ዘይትጽውዕ እንተኾይና ኣብኡ ሓዲርና ሕማቅ ጠባይ ከም  
        ዝህልዎ ጌርና ነዕብዮ። ንኣብነት ቀብጠርጠር፡ ስዲ፡ ተጻራፊ ንገብሮ።

ሕቶ፡ ከመይ ኢልኩም ንመንእሰያት ተስሕቱዎም፤
መልሲ፡ ብፍትወት ዓለም፡ ትዕቢት፡ ትምክሕቲ፡ ብፍቕሪ፡ መልክዕን መስተን፡ ስጋዊ ፍቕሪ፡ ፍቕሪ ደቂ
        ኣንስትዮ፡ ንኣዋልድ ድማ ፍቕሪ ደቂ ተባዕቲዮ ከም ዝሓድረን ፍቕሪ ክዳን ፍቕሪ ድቃስ በረኸት
        ናይ እግዚኣብሔር ምእንቲ ከይካፈሉ ናብ ቤተክርስትያን ምኻድ ነጽልኦም። ልቢ መንእሰይ ቁጥዓ
        ከም ዝቃጸል ንገብር። ፍቕሪ ገንዘብ ነሕድረሎም። ብሓሶት ከምዝምሕሉ ንገብሮም፡ ብሓሶት
        ከምዝምስክሩ ንገብሮም፡ ኣብ ልቦም ቅንኢ ነእትወሎም። ከምዚ ጌሮም ስለዝነብሩ ድማ እቶም
        መላእኽቲ ካብኣቶም ይርሕቁ።

 ሕቶ፡ ንስኻ መዓስ እትእመን ኮይንካ ንሓሶት ኣቦኣ’ዶ ኣይኮንካን። ከመይ ጌረ ክኣምነካ ይኽእል፤
መልሲ፡ ፈተየ ዘይኮነኩስ እንሆ ኣብ ልዕለይ ጠጠዉ ኢሉ ናይ እግዚኣብሔር መልኣኽ ስይፉ መሊሑ ገለ
         ነገር ከይሕሱ ይሕልወኒ ኣሎ። የግዳስ ኩሉ ዘድልየካ ገለ ከይየጉደልካ ሕተተኒ እምበር ፍቃደይ
         ነይሩ እንተዝኾውን ቅድሚ ኹሉ ነዓኻ መስሓትኩኻ ደኣ እምበር ገለ’ኳ ካብዚ ምስጢር ሓሶት
         ኣይመካፈልኩኻን ምኽንያቱ ነዚ ሜላ መስሓቲና ተረዲኦም ብዙሓት ሰባት ካብ ፍቃድና ምፍጻም
         ሃዲሞም ፈጸምቲ ፍቃድ እግዚኣብሔር ከም ዝኾኑ ስለዝፈልጥ እዩ።  

ሕቶ፡ ኣብ ገዳም ቆሮነጦስ ደኣ ንኣምላኽና ክትፍታትነዎ ክንደይ ደፈርኩም፤
መልሲ፡ ኣምላኽ ምዃኑ ኣይፈለጥናን። ሓደ ካብ ነብያት መሲሉና።

ሕቶ፡ ንሰማያት ደይብኩም ናይ መላእኽቲ ምስጋና ተስምዑ’ዶ፤
መልሲ፡ ካብ መዓርግና ምስ ወደቅና ፈጺምና ናብ ሰማይ ኣይንምለስን ኢና። ክሳብ ኣየር ግና ንበጽሕ
         ኢና። ሓለቃና ሳጥናኤል እንተ ዘይኮይኑ ንሳ’ውን ሓንቲ ግዜ ንጻድቅ እዮብ ክፍትኖ ከሎ እዩ።

ሕቶ፡ ንደቂ ኣዳም ምስ ኣስሓትኩም እንታይ ረብሓ ኣለኩም፤
መልሲ፡ ሓቢሮም ምሳና ኮይኖም ኣብቲ ባሕሪ ጸልማት ባሕሪ ሓውን ይሓዝኑን ይነዱን ንዘልኣለም ድማ
         ኣብኡ ይኸውን ስፍርኦም።

ሕቶ፡ ኣብ ኣረጋውያን ‘ከ እቲ ትፍትንዎ ፈተነታት ከመይ ዝበለ እዩ፤
መልሲ፡ ካብ ኣጓብዝ መንእሰያት ብዝበለጸ ኣብ ሽማግለታት ወይ ኣቦታት ሰብ-ሓዳር ብትህኪት
         ብሸለልትነት ኣብ ልቦም እናኣስሓትና እናኣሕሰብና ጸሎት ከይገብሩ ትህኪት ጾም ከይጾሙ
         ኣንጊሆም ከም ዝበልዑ ቁርባን ወይ ስጉኡን ደሙን ንኸይቅበሉ የብቅዓና ነብሎም። ብጠቅላላ
         ካብ ኩሉ ሰናይ ነገር ከም ዘቋርጹ ንገብሮም። ተራገምቲ ንክኾኑ ኣነ’ኳ ወዲ እገለ እየ እና በሉ
         ብትምክሕቲ ትዕቢትን ከምዝሕዞም ንሕብር። ናይ ሰብ በደል ወይ ጌጋ ነርእዮም። ንሳቶም ግን
         በደል ከምዘይብሎም ሓቐኛታት ኢና ከምዝብሉ ንገብሮም።

ሕቶ፡ ብኽንደይ ዓይነት ተመሲልኩም ንወዲ ኣዳም ተስሕትዎም፤
መልሲ፡  ንሕና ብዘይንመስሎ ነገር የለን። ዕላማና ካብቲ ብርህቲ ሃገር መንግስተ ሰማያት ንሕና ንፈልጣ
          ሓንሳእ ንሓዋሩን ዝሰኣናያ ንወዲ ኣዳም ምስ ተዋህበት ንሱ ንኸይኣትዋ ድልየትናን ሃረርታናን
          ስለዝኾነ ብዝተፈላለየ መልክዕ እንዳ ኣደናገርና ስራሕና ንቅጽል። ምኽንያቱ ባህርያት ወዲ ሰብ
          በብዓይነቱ ስለዝኾነ ንሕና መልክዕና እናለዋወጥና ንማርኾ። ንኣብነት መላእኽቲ ተመሲልና፡
          ጻድቃን ተመሲልና፡ ባሕታውያን ተመሲልና፡ ቅኑዓት ሰባት ተመሲልና፡ ብደቂ ኣንስትዮ ጽቡቕ
          ዝመልክዐን መሳርሒና ጌርና፡ ፈታዊ ተመሲልና፡ ብለባማት ኣረጋውያን ተመሲልና፡ ብነገስታት፡
          ብወተሃደራት መሲልና ነስሕቶም። ከምኡ’ውን ኩሎም ኣራዊት ብኣንበሳ፡ ብነብሪ፡ ብዝብኢ፡
          ብህበይ፡ ብውኻርያ፡ ብተመን፡ ብእንቅርዕቢት፡ ብከልቢ፡ ብኣዕዋፍ ወዘተ……. ተመሲልና ንዓለም
          ነስሕታ።

ሕቶ፡ ስለምንታይ በዚ ኹሉ ተመሲልኩም ንፍጡር ወዲ ኣዳም ተስሕቱ።
መልሲ፡ ሰባት ምእንቲ ከይፈልጡና። ምኽንያቱ ኣብ ምድሪ እግዚኣብሔር ኣናኣመስገኑ እንተደኣ
         ተቀሚጦም ምስ ሞቱ ናይ ዘልኣለም መንግስተ ሰማያት ስለዝወርሱ። ብዘይምቁራጽ ለይቲ ምስ
         መዓልቲ ብዝተፈላለየ ተምሳላት ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ከነስሕቶም ንነብር።

ሕቶ፡ ንወዲ ሰብ ከመዚ ተመሲልኩም ከምተስሕቱ ዝፈልጥ ፍጡር ኣሎ’ዶ፤
መልሲ፡ ዝፈልጡና ኣለው ዘይፈልጡና’ውን ኣለው። እቶም ዝፈልጡና ፍርሃት እግዚኣብሔር ዘለዎም፡
         ብቅንዕና ዝመላለሱ ናብ ኣበ ነብሶም ካህን ከይዶም ኩሉ ሓጥያቶምን በደሎምን ነጊሮም ብንጽህና
         ናብ ቤተክርስትያን ቆሪቦም ናይ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስግኡን ደሙን ዝቅበሉ
         ይፈልጡና እዮም። ኮሎ ጌና ናብኣቶም ከይቀረብና ብጨናና ይፈልጡና እዮም። ምኽንያቱ ንሕና
         ረሳሓት ኢና። ኣብ ሓጥያት ዝረሰሐት ሰብነት ድማ ንሓድር። እቶም ዘይፈልጡና ግን ነዚ ክንገልጾ
         ዝጸናሕና ዘይማልኡ ካብ ፍቃድ እግዚኣብሔር ወጻኦም ብፍልጠቶምን ሃብቶምን ክነብሩ ዝደልዩ
         ብስስዕቲ ዓለም ተዋሒጦም ፍርሃት እግዚኣብሔር ዘይብሎም ብሓሳብ ዓለም ትዋጢሮም ዝነብሩ
         ሰባት መን ሙዃና ፈጾሞም ከለሉዩና ኣይከኣሎምን እዩ።

ሕቶ፡ ንመናኩስቲ ፈለስቲ ከመይ ጌርኩም ትፍትንዎም፤
መልሲ፡ ካብቲ ኩሉ ፍጥረት ደቂ ኣዳም እቲ ዝበርተዐን ዝኸበደን ውግእን ባእስን ምስ ባሕታውያን
         መነኮሳት እዩ። ኤፌ 6፡10-20 ። ምኽንያቱ እታ ናትና ዝነበረት ክብሪ ስለዘሕደጉና ነዚኣቶም
         ከነውድቆም ከሎና መጀመርያ ብንብዓት ክጽልዩ ከምዝፍጽሙ ንገብር። እሞ ጽንሕ ኢልና ድሕሪ
         ቁሩብ ግዜ ትህኪት ኣምጺእና ነቲ ውዑይ ፍቕሪ ኣምላኽ ከም ዝዝሕል ንገብሮ። ናይ ዓለም ሓሳብ
         ንዘርኣሎም። ካብ ኣብ ገዳም ምቅማጥ ኣብ ከተማታት ንኽነብሩ ነፍትዎም። ከም እኒ ኣብርሃም
         ብቃል ኪዳን ዝጸደቁ ነዘኻኽሮም። ከምኡ’ውን ኣብ ልቦም ጽልኢ፡ ቂም፡ ፍቕሪ ሽመት፡ ፍቕሪ
         ገንዘብን ወርቕን ሕሜትን ንኽፍጽሙ ነተጋግሆም። ኣብ ልዕሊ መምህራን ወይ ሓለፍቶም
         ብዝተፈላለየ ተንኮል ከም ዝለዓሉ ማለት ብኽስን ነገርን ምስ ደቂ ማሕበሮም ተጻሊኦም ፍቆዶ
         ከተማታትን ዓድታትን ከም ዝዘሩ ንገብሮም። ኣብ ውሽጢ ሕልንኦም ፍቕሪ ደቂ ኣንስትዮ
         ንተክል። ፍቕሪ ውላድ፡ ብፍቕሪ ቤተሰቦም ከም ዝቃጸሉ ናብታ ዝሓደጉዋ ዓለም ከም ዝምለሱ
         ንገብሮም። ፍቕሪ ጥዑማት መብልዕን መስተን ክዳውንትን ስልማት ነሕድረሎም። ነቶም ብመርዓ
         ዝጸደቁ ንብያት ሃዋርያት ሰማእታት ነዘኻኽሮም። ብድመጺ ኣራዊት ብግርማ ለይቲ ብቁሪ ጸሓይ
         ከመይ ኢሎም ዕድሚኦም ምሉእ ከምዝሕልፍዎ ነሕስቦም። ተስፋ ቆሪጾም ከምዝጨነቁ ንገብር።
         ብሕልምን ብምትሃትን ነፈራርሆም። ኣብ ቅድሚኦም ኣራዊት መሮር ተራኽቦ ክገበሩ ከለዉ
         ንርእዮም። ፍትወትን ክሳብ ዝወድቁ ንገብሮም። ከይንስሑ ከኣ ጽንዓትን ትዕቢትን ትምክሕትን
         ሕማቕ ፍርሃትን ኣሕዲርና ዓይነ ልቦንኦም ነዕውሮም። ጸሎት እንተጸለዩ ነቲ ጸሎት ብታህዋኽ
         ብዘይምስትምቃር ከይተረድኦም ከም ዝጽልዩ ኣብ መንጎ ጸሎት እቱው ውጽእ ከም ዝብሉ
         እንተጸለዩ ብዘይፍርሃት ኣብ ቤት ክርስትያን ደው ምባል ገዲፎም ኮፍ ከም ዝብሉ ኣብ ግዜ ጸሎት
         የእጋሮም ከም ዝሓልኩ ንገብሮም። ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ንየማን ንጸጋም ነመላልሶም። ኣብ
         ልቦም ኣቲና ውጻእ ውጻእ ነብሎም። ከምዚ ስለዝገበሩ ከኣ መላእኽቲ ይጸልእዎምን
         ይፍንፍንዎምን። ሽዑ ንሕና ኣብ ቁጽጽርና ነኸነእትዎም ጥጡሕ ባይታ ንረክብ። ከምኡ’ውን
         ካህናትን ድያቆናትን ብድፍረትን ብትዕቢትን ናብ ቤተመቕደስ ኣትዮም ምስ ቂምን በቀልን ጽልእን
         ባእስን ክርክርነ ህልኽን ኣብ ልቦም ኣሕዲሮም ከምዝኣትዉ ንገብር። ከምኡ’ውን እቲ ድያቶን ይኹን
         ካህን ነቲ ንባብ ወይ’ውን ነቲ ዜማ እንተ ጸይቁዎ ከም ዝላግጹን ከም ዝንዕቅዎም ንገብር። ክጽልዩ
         ከለዉ ንምዕራብ ናባይ ገጾም ክመዝጽልዩ ይገብር። መስተ ኣብዚሖም ኣብ ቅድሚ ሰባት ሕማቕ
         ኣርኣያ ከም ዝኾኑ ንገብሮም። እቶም ንዕኦም ዝረኣዩ ድማ ንሃይማኖቶምን ነቶም መራሕቶምን ከም
         ዝንዕቁ ንገብሮም። መጻሕፍትን ጸሓፍቶምን ክም ዝጸረፍዎም ኣነ ኸኣ በቲ ዝኣምንዎ መጽሓፍ
         ክጸርፍዎም ምስ ዝስምዕ ኣዝዩ ደስ ይብለኒ። ኣቡነ ኣቢብ ነዚ ምስ ሰምዑ መሪር ብኽያት በኸዩ። 
         ስለዚ ኸኣ ስለምንታይ ትበክን ትሓዝንን ኣሎኻ፤ እዞም ኩሎም ድያቆናትን ከሃናትን መኖኮሳትን
         ጳጳሳትን ከማኻ ኣይኮኑን እምበኣርከስ ክትሓዝነ ክትበክን እንተደሊኻ ምእንቲ እቶም ዳሕራይ ዘመን
     ዝወልዱ ደቂ ኣዳም ብኸ፡ ሰለ ነገስታት ብኸ፡ ምእንቲ ጳጳሳት ብኸ፡ ምእንቲ መነኮሳት ብኸ፡ ምእንቲ
     ካህናት ብኸ፡ ምእንቲ ድያቆናት ብኸ፡ ምእንቲ ኣቦታትን ኣዴታት ብኸ፡ ምእንቲ መንእሰያትነ
     ኣዋልድን ብዘይሕጊ ድንግልንኦም ንዝሙት ዝሸጡ ብኸ፡ ነዚኣቶም ኣብ ዝመጽእ ዘመናት ኣብ ትሕቲ
     መርገጽ እግረይ ናብ ሓጥያት ከስግዶም እየ። ፍቃደይ ክፍጽሙ ብዝመራሕኩዎምን ክኸዱ። ረሃጾም
     ነዓይ ከም ዝገብሩ ብኽያቶምን ኣውያቶምን ስለርእሶም ዘይኮነ ስለእቶም ብሞት ዝሓለፉ ኣሕዋቶምን
     ኣዝማዶምን ጥቅሚ ዘይብሉ ብንብዓትን ሓዘንን ልቦም ከምዝሓርር ክገብር እየ። ኩሉ ኣምላኽ
     ዝገበረሎም ካብ ዓይኖም ሰዊረ ብልመዲ ከምዝነብሩ ኮይኑ ከርእዮም እየ። የዕሩኽተይን ፈተውተይን
     ክገብሮም እየ። ስለዚኣቶም ተማህለል። ኢሉ እቲ ፈታኒ ዘረብኡ ምስ ወድአ ኣቡነ ኣቢብ ብኽያቶምን
     ንብዓቶምን ካብ ቀዳማዩ ዳሕራዩ ገደደ።

ስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!!!

Daily Prayer


+ I cross my face and all of myself by the sign of the cross.
In the name of the Father, the Son and the Holy Spirit; One God. In Holy Trinity believing and entrusting myself, I deny you satan in front of my mother the Holy Church, who is my witness, St. Mary Tsion forever. Amen
We thank you O Lord, and we glorify you, we praise you O Lord, and we rely on you, we beg you and we beseech you. We worship you and we serve to your Holy name. We bow and kneel down to you; O you to whom all knees should bow and who all tongues serve. You are the God of gods and the Lord of lords and the King of kings. You are God to all flesh and to all souls, and we call you as your Holy Son taught saying...
Our Father, who art in heaven, hollowed be thy name. Thy Kingdom come, Thy will be done on earth as it is in heaven. Give us this day our daily bread and forgive us our trespasses as we forgive those who trespass against us, and lead us not into temptation but deliver us from all evil. For thine is the kingdom, the power and the Glory forever and ever.
By the Peace of the Saint Angel Gabriel, O my Lady Mary I salute you, thou are Virgin in thought, and Virgin in body the Mother of God Tsabaot (The Lord of Hosts) salutation to you. Blessed art thou, among women and blessed is the fruit of your womb. Rejoice thou who is hailed, O Graceful God is with you. Beseech and pray for our mercy to your beloved Son JESUS CHRIST that He may forgive us our sins. AMEN.
We believe in one God, the Father Almighty, maker of heaven and earth, and all things visible and invisible.
And we believe in one Lord JESUS CHRIST the only begotten son of the Father who was with him before the creation of the world. Light from light, true God from true God, begotten not made of one essence with the Father. By whom all things were made, and without him was not anything in heaven or earth made:
Who for us men and for our salvation came down from heaven was made man and was incarnate from the Holy Spirit and from the Holy Virgin Mary. Become man was crucified for our sakes in the days of Pontius Pilate suffered, died, was buried and rose from the dead on the third day as was written in the Holy Scriptures; Ascended in glory into heaven, sat at the right hand of his Father, and will come again in glory to judge the living and the dead; there is no end to his reign.
And we believe in the Holy Spirit, the life-giving God, who proceeded from the Father, and the Son; who spoke by the prophets.
And we believe in one baptism from the remissions of sins, and wait for the resurrection from the dead and the life to come, world without end.
Holy, Holy, Holy God Tsabaot perfect Lord of Host, heaven and earth are full of the holiness of your Glory.
We bow to you Christ, with you good heavenly Father and with your Holy Spirits the life Giver from thou didst come and save us.
Let us bow down to the Father, and the Son, and the Holy Spirit.
Three in one and one in three. Three in person and united in Godhead.
I bow down to our Lady St. Mary Virgin Mother of God. I bow down to the cross of our Lord Jesus Christ which was sanctified by his precious Blood.
Praise to the Father, Praise to the Son, Praise to the Holy Spirit (repeat 3x)
Praise to our Lady St. Mary, the Virgin Mother of God.
Praise to the Cross of our Lord Jesus Christ, may His mercy remember us.
May He not put us to shame in His second coming.
May He awaken us to the glorification of His name; in His worship may He maintain us. Our Lady St. Mary, lift up our prayer before the throne of our Lord, who gave us to eat this bread, who gave us to drink this cup and who prepared our food and our clothing for us and who overlooked our sings and who gave us His Holy Body and His Precious Blood, which brought us to this hour.
Let us give glory and thanks to God, the most High, and to His Virgin Mother and to His precious Cross.
May the name of the Lord be thanked and glorified always at all times and at every hour.
We say to you, prostrating ourselves, Peace be unto you Mary our Mother.
We beseech you; we cling unto you against the hunting serpent.
Virgin for the sake of your Mother Hanna and your Father Joachim, bless our congregation today.
Prayer of the Holy St. Mary

ጸሎተ ዘውትር

+ አአትብ ገጽየ ወኲለንታየ በትእምርተ መስቀል።
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ በቅድስት ሥላሴ እንዘ ኣአምን ወእትመኃጸን እክህደከ ሰይጣን በቅድመ ዛቲ እምየ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እንተ ይእቲ ስምእየ ማርያም ጽዮን ለዓለመ ዓለም።
ነአኩተከ እግዚኦ ወንሴብሓከ ንባርከከ እግዚኦ ወንትአመነከ ንስእለከ እግዚኦ ወናስተብቁዓከ ንገኒ ለከ እግዚኦ ወንትቀነይ ለስምከ ቅዱስ። ንሰግድ ለከ ኦ ዘለከ ይሰግድ ኩሉ ብርክ ወለከ ይትቀነይ ኩሉ ልሳን። አንተ ውእቱ ኣምላክ ኣማልክት ውእግዚኣ ኣጋእዝት ወንጉሰ ነገስት ኣምላክ አንተ ለኩሉ ዘሥጋ ወለኩላ ዘነፍስ ወንጼውኣከ ንሕነ በከመ መሃረነ ቅዱስ ወልድከ እንዘ ይብል አንትሙሰ ሶበ ትጸልዩ ከመዝ በሉ።

አቡነ ዘበሰማያት ይትቀደስ ስምከ ትምጻእ መንግሥትከ ወይኩን ፈቃድከ በከመ በሰማይ ከማሁ በምድር ሲሳየነ ዘለለ ዕለትነ ሃበነ ዮም። ኅድግ ለነ አበሳነ ወጌጋየነ ከመ ንሕነኒ ንኅድግ ለዘአበሰ ለነ። ኢትአብአነ እግዚኦ ውናስተ መንሱት ኣላ አድኅነነ ወባልሐነ እምኩሉ እኩይ እስመ ዚኣከ ይእቲ መንግሥት ኃይል ወስብሐት ለዓለመ ዓለም።
በሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልአክ ኦ እግዝእትየ ማርያም ሰላም ለኪ ድንግል ብኅሊናኪ ወድንግል በሥጋኪ። እመ እግዚአብሔር ጸባዖት ሰላም ለኪ። ቡርክት አንቲ እማአንስት ወቡሩክ ፍሬ ከርሥኪ። ተፈሥሒ ፍሥሕት ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚአብሔር ምስሌኪ። ሰአሊ ውጸልዪ ምሕረት በእንቲኣነ ኅበ ፍቁር ወልድኪ ኢየሱስ ክርስቶስ ከመ ይሥረይ ለነ ኃጣዊኢነ።

ነአምን በአሐዱ አምላክ እግዚአብሔር አብ አኃዜ ኩሉ ገባሬ ሰማያት ወምድር ዘያስተርኢ ወዘኢያስተርኢ።
ወነአምን
በአሐዱ እግዚእ ኢየሱስ ክርስቶስ ወልደ አብ ዋሕድ ዘህልው ምስሌሁ እምቅድመ ይትፈጠር ዓለም። ብርሃን ዘእምብርሃን አምላክ ዘእምአምላክ ዘበአማን ዘተወልደ ወአኮ ዘተገብረ ዘዕሩይ ምስለ አብ በመለኮቱ። ዘቦቱ ኩሉ ኮነ ወዘእንበሌሁሰ አልቦ ዘኮነ ወኢምንትኒ ዘበሰማይኒ ወዘበምድርኒ።
ዘበእንቲአነ ለሰብእ ወበእንተ መድኃኒትነ ወረደ እምሰማያት ተሰብአ ወተሰገወ እምመንፈስ ቅዱስ ወእም ማርያም እምቅድስት ድንግል ኮነ ብእሴ ወተሰቅለ በእንቲአነ በመዋዕለ ጲላጦስ ጰንጤናዊ። ሐመ ወሞተ ወተቀበረ ወተንሥአ እምሙታን አመ ሣልስት ዕለት በከመ ጽሑፍ ውስተ ቅዱሳት መጻህፍት ዓርገ በስብሓት ውስተ ሰማያት ወነበረ በየማነ አቡሁ ዳግመ ይመጽእ በስብሐት ይኮንን ሕያዋነ ወሙታነ ወአልቦ ማኅለቅት ለመንግሥቱ። ወነአምን በመንፈስ ቅዱስ እግዚእ ማኅየዊ ዘሠረጸ እም አብ ንስግድ ሎቱ ወንሰብሖ ምስለ አብ ወወልድ ዘነበበ በነብያት። ወነአምን በአሐቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እንተ ላእለ ኩሉ ጉባኤ ዘሓዋሪያት። ወነአምን በአሐቲ ጥምቀት ለሥርየት ሓጢኣት ወንሴፎ ትንሣኤ ሙታን ወሕይወተ ዘይመጽእ ለዓለመ ዓለም።

ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር ጸባዖት ፍጹም ምሉዕ ሰማያት ወምድረ ቅድሳተ ስብሐቲከ።
ንሰግድ ለከ ክርስቶስ ምስለ ኣቡከ ኄር ሰማያዊ ወመንፈስከ ቅዱስ ማኅየዊ እስመ መጻእከ ወአድኃንከነ። 

እሰግድ ለአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐተ ሰግደተ። (ሰልስተ ጊዜ በል) እንዘ አሐዱ ሠለስቱ ወእንዘ ሠለስቱ አሐዱ ይሤለሱ በአካላት ወይትዋሐዱ በመለኮት። እሰግድ ለእግዝእትነ ማርያም ድንግል ወላዲተ አምላክ። እሰግድ ለመስቀለ እግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘተቀደሰ በደሙ ክቡር። መስቀል ኃይልነ፡ መስቀል ጽንዕነ፡ መስቀል ቤዛነ፡ መስቀል መድኃኒተ ነፍስነ አይሁድ ክሕዱ ንሕነሰ ኣመነ ወእለ አመነ በኃይለ መስቀሉ ድኅነ። 

ስብሐት ለአብ ስብሐት ለወልድ ስብሐት ለመንፈስ ቅዱስ (ሰለስተ ግዜ በል።)
ስብሐት
ለእግዘትነ ማርያም ድንግል ወላዲተ አምላክ፡ ስብሐት ለመስቀለ እግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ ብምሕረቱ ይዘከረነ። አመ ዳግም ምጽአቱ ኢያስተኅፍረነ። ለሰብሖተ ስሙ ያንቅሀነ ወበአምልኮቱ ያጽንአነ እግዝእትነ ወአስተሥርዪ ኃጢአተነ ቅድመ መንበሩ ለእግዚእነ ለዘአብልዐነ ዘንተ ኅብስተ ወለዘአስተየነ ዘንተ ጽዋዓ ወለዘሠርዐ ለነ ሲሳየነ ወአራዘነ ወለዘተዐገሠ ኵሉ ኃጢአተነ ወለዘወሀበነ ሥጋሁ ቅዱሰ ወደሞ ክቡር ወለዘአብጽሐነ እስከ ዛቲ ሰዓት። ነሀብ ሎቱ ስብሐተ ወአኰቴተ ለእግዚአብሔር ልዑል ወለወላዲቱ ድንግል። ወለመስቀሉ ክቡር ይትአኰት ወይሰባሕ ስሙ ለእግዚአብሔር ወትረ ብኵሉ ጊዜ ወበኵሉ ሰዓት። ሰላም ለኪ እንዘ ዝሰግድ ዝብለኪ ማርያም እምነ ናስተዘቊዐኪ። እምአርዌ ነዓዊ ተማህፀነ ብኪ። በእንተ ሐና እምኪ ወኢያቄም አቡኪ ማኅበረነ ዮም ድንግል ባርኒ።

 ጸሎተ እግዝእትነ ማርያም(ሉቃ 1፡46-55)

Tuesday, February 7, 2012

ኣጽዋማትን በዓላትን



2012 ዓ.ም (2004 ዓ.ም ግእዝ)
በዓል------ዕለት ብግእዝ-----------Fast or Feast-----------------Date    
ልደት-------------ታሕሳስ--28--------->The-Holy-Nativity-Feast----------January-7
ግዝረት-----------ጥሪ--6---------------->The-Circumcision-Feast---------January-15
ጥምቀት----------ጥሪ--11---------------->The-Holy-Epiphany--------------January-20
ጾመ-ነነዌ----------ጥሪ--28-30--------->Jonah's(Nineveh)-Fast------------February-6-8
ዓብዪ-ጾም-------የካቲት-12------------>Holy-Great-Fast-------------------February-20
ሆሣዕና-----------መጋቢት-30----------->Hosanna-Sunday---------------April-8
ስቅለት-----------ሚያዝያ-5---------->Good-Friday------------------------April-13
ትንሣኤ-----------ሚያዝያ-7--------->Feast-of-the-Resurrection----------April-15
ዕርገት-----------ግንቦት-16------------>Feast-of-Ascension----------------May-24
በዓለ-መንፈስ-ቅዱስ--ግንቦት-26------------>Feast-of-Pentecost-----------June-3
ጾመ-ኃዋርያት------ግንቦት-27-ሓምለ-4-------->The-Apostles-Fast--------June-4-July-11
ጾመ-ፍልሰታ--------ነሓሰ-1-15-------->St.Mary's-Fast---------------------August-7–21
ደብረ-ታቦር---------ነሓሰ-13---------->Transfiguration-Feast------------August-19
ርእሰ-ዓውደ-ዓመት--መስከረም-1------>St-John-Feast-(Church-New-Year)—September-11
መስቀል-------------መስከረም-17----->Feast-of-the-Cross-----------September-27
ጾመ ነቢያት-------ሕዳር 17 - ታሕሳስ 28----> Nativity Fast ---------November 25–January 6

Sunday, February 5, 2012

ጾመ ነነዌ

በስመ አብ ወወልዴ ወመንፈስ ቅደስ አሃደ አምላክ አሜን!
እግዚአብሔር ነቲ ዓሳ ኣዘዞ ንሱ̕ውን ንዮናስ ናብ

ንቁጽ ምዴሪ ተፍኦ። ት.ዮና.2፣11።
ጾመ ነነዌ

ካብ ሰኑይ ጥሪ 28 ስጋብ ጥሪ 30 (Monday, February 6- February 8) ናይ ሠለስተ መዓልቲ ዝጽወም ጾም እዩ።

ኣምላክ ቅደሳን እግዚአብሔር ቡሩኽ ጾም ይግበረልና!

ጾመ ነነዌ
ነነዌ ኣብ መጽሓፍ ቅደስ ካብ ዝተገልጹ ታሪኻ ብሰፊሕ ካብ ዝተጻሕፈላ ሓንቲ ናይ ሜሶፓትያ ከተማ እያ። ብዙሓት ናይ ሥነ መሎኮት ሙሁራት ናይ ሎሚ ሙሱል ከተማ ብኣንጻረ ከተማ ባቅዳድ ብወገን ሰሜን 350 ኪ.ሜ ሪሒቓ  ትርከብ ከተማ ምዃና ይሰማምዑላ። ዋላ እኳ ኣብ 4000 ቅ.ል.ክ ብናምሩዴ ዝተዶኮነት ትኹን፡ (ዘፍ. 10፣11-12) ናይ ኣሶራውያን ዋና ከተማ ዝኾነት ግና ብ1400 ቅ.ል.ክ እዩ። (2ይነገ,19፣36) ኣብታ ከተማ ፍሉጥ ዝኾነ ናይ ጣኦት ቤተ ኣምልኾ ኣስታሮት ይብሃል።

ኣብዛ ከተማ ዝነብሩ ሰባት ብዝሰርሕዎ ክፋትን ሓጥያትን ካብ ምብዛሑ ዝተላዕለ ጽዋእ መሊኡ ንጥፍኣቶም ስለዝበጽሐ፣ ንፍጥረቱ ርህራሄ ዘለዎ ኣምላከ ቅደሳን እግዚአብሔር ግና ንስሓ ክኣትዉ ምእንቲ ነብዩ ዮናስ ሊኢኽሎም። እዚ ነብይ ናብ ናይ ኣህዛብ መንዯር ዝተላእከ እንኮ ነብዩ እዩ። ዝተላእኸሉ ምኽንያት ዴማ ከምቲ ነብያት ናብ ዯቂ እስራኤል ተላኢኾም ዝገብርዎ ንምግሳጽ ዘይኮነ ናብ ንስሓ ክጽውዕዎም ምእንቲ እዩ። ኮይኑ ግና ነብዩ ዮናስ ናብዛ ከተማ ክኸይዴ ብእግዚአብሔር ይተኣዘዝ እምበር ንሱ ግና ናብ ተርሴስ ክኸይዴ ንርእዮ።
ቅደስ ጄሮም ነብዩ ዮናስ ንምንታይ ከምዚ ከምዝገብረ  ክገልጽዎ ከለዉ ፣ ዮናስ ንኣህዛብ ካብ ምጽላእ ዝተላዕለ ዘይኮነ ዴሕነት ካብ ህዝበ እስራኤል እንዳረሓቐ ምዃኑ ብትንቢት መነጽር ስለዝረኣየ ናብ ነነዌ ኣይከይድን ኢሉ። እዚ ከኣ ሙሴ ነዚ ህዝቢ ካብ ተጥፍኦ ንዓይ ካብ መጽሓፍ ሂወት ደምስሰኒ ። ከምዝበሎ ዓይነት ማለት እዩ። ዘጻ.32፣31-32።

ቅዱስ ጳውሎስውን ብዛዕባ እቶም ብሥጋ ኣሕዋቱን  ኣዝማዱን  ክርገም  ዝመረጸ ። ሮሜ፣9-3። ብርግጽ̕ውን ኣብ ዘመነ ሓዲስ ኣህዛብ ብክርስቶስ ኣሚኖም ክጥመቁ ከለዉ ፣ እስራኤል ግና መጽሓፍቲ ጥራሕ ሒዞም ተሪፎም። እስራኤል ነብያት ጥራሕ ሒዞም ክተርፉ ከለዉ ፣ ኣህዛብ ግና ናይ ነብያት ትንቢት ፍጻሜ ሒዞም። ማቴ.12፣42።

ልብን ኩላሊትን ዝምርምር ኣምላከ ቅደሳን እግዚአብሔር ግና ዮናስ ብዘይ ምእዛዙ ኮነ ኢሉ ከምዘይገብሮ ስለዝፈለጠ ብፍሉይ ጥበቡ ክወስዶ ንርኢ። ኣቀዱሙ ዓቢ ንፋስ ኣብታ ልዕሊ መርከብ ኣምጺኡ፣ ንዮናስ ዝውሕጥ ዓቢ ዓሳ ኣዲልዩ፣ ቀጺሉዉን እቲ ነባሪ ዓሳ ንዮናስ ናብ ምድሪ ክተፍኦ ንርኢ። ናይ ኣምላኽና ፍቕሪ ክንደይ ዓብይን ዘደንቅን ምዃኑ ኣብዚ ንርኢ።

ነብዩ ዮናስ  ከምቲ ቃለ እግዚአብሔር ናብ ነነዌ'ውን ከድ ። ነነዌ ግና ኣዝያ ዓባይ ከተማ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ እያ ። ዮናስ ናብታ ከተማ ኺኣቱ መገዲ ሓንቲ መዓልቲ ጀመረ እሞ ነነዌ ሰለስተ መዓልቲ ጸኒሓ ክትግምጠል እያ፣ ኢሉ ኣወጀ።
ሰብ ነነዌ ከኣ ንኣምላኽ ኣሚኑ፣ ጾም ድማ ኣወጀ፣ ካብ ዓበይቶም ክሳኦ ናእሽቱኦምውን ኽሻ ተኽድኑ። እዚ ወረ እዚ ናብ ንጉሥ ነነዌ በጽሐ፣ ካብ ዝፋኑ ተንሥአ ባርኖሱ ቐንጠጠ ኽሻ ተኽድነ ኣብ ሓሙኹሽቲ ድማ ተቀመጠ። ኣብ ነነዌ ብትእዛዝ ንጉሥን መኳንንቱን ከምዚ ዝብል ኣዋጅ ተኣወጀ። ሰብ ወይ እንስሳ ወይስ መጓሰ ኣባጊዕ ሓንቲ እኳ ኣይጥዓማ ኣይውፈራ ማይ̕ውን ኣይስተያ። ሰብን እንስሳስ ክሻ ይከደኑ ዓው ኢሎም ድማ ናብ ኣምላኽ የእውዩ። ነፍሲ ወከፍ ከኣ ካብ እኩይ መገደን ካብቲ ኣብ ኢድ ዘሎ ዓመጽን ይመለስ ። ኣምላኽ እንተ ተመልሰን እንተ ተጣዕሰን ንሕና ከይንጠፍእ ከኣ ካብቲ ጒሁር ቊጥዓኡ እንተ ተመልሰ መን ይፈልጥ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ከኣ ካብ እኩይ መገዶም ከምእተመልሱ ግብሮም ረኣየ እግዚአብሔርውን ነቲ ኬውርደሎም ኢሉ እተዛረቦ መዓት ተጣዕሰሉ፣ ኣይገበሮን ከኣ። ዮና. 3፣3-10።

ብሓቒ ንእግዚአብሔር ዝፈርሕ ልቡና ዘለዎ ሰብ ብዙሕ ትምህርቲ ኮነ ብዙሕ እዋን ኣየዴልዮን እዩ። ንኽምለስ ናብ እግዚአብሔር ቀረባ እዩ። ንሕና ክርስቲያን'ውን ነዚ ብምዝካር <<ንስሓ ኣቲና ናብ እግዚአብሔር ብጸሎትን ልመናን ብፍጹም ልቡና እንድሕር ተመሊስና ፣ ከምቲ ሰብአ ነነዌ ካብቲ ዝተሓስበሎም መቅዘፍቲ ዝደሓኑ፣ ካብ ናይ ዓለም ፈተናን መቅዘፍትን ንድሕን ። ኢልና  በብዓመቱ ቅድሚ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ብትእዝዘና መሠረት ዓብይ ጾም ምእታዉ ክልተ ሰሙን ኣቀዲማ ዘላ ሰኑይ ጀሚሩ ስጋብ ረቡዕ << ጾመ ነነዌ >> ብምባል ንጾሞ።

ናይ ሎሚ ዓመት ዓብይ ጾም ለካቲት 12 ስለ ዝኣቱ ካብ ሰኑይ ጥሪ 28 ስጋብ ረቡዕ 30 ጥሪ ንጸውም።

ኣምላከ ቅደሳን እግዚአብሔር ዝመረጽናዮ ዓይነት ጾም ክንጸውም ካብቲ ዝተሓሰበ ዝኾነ ዓይነት ፈተና ክንድሕን ኣምላከ ቅደሳን ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ይሓግዘና። በረከት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።

ወስብሓት ለእግዚአብሔር
ወለወላዱቱ ዴንግል
ወለመስቀሉ ክቡር::

Friday, February 3, 2012

ማዕተብ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

ማዕተብ “ዐተበ” ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሲ ዝወጸ ኮይኑ፡ ኣመልከተ፡ ባረኸ፡ ካብ ሸበድበድ ሃድአ፡ ዝብል ትርጉም ዝሐዘ እዩ። ማዕተብ ከኣ ምልክት እምነት ወይ ዕላመት ማለት እዩ። ነዚ ከረድእ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ኣነስ ዕላመት ኢየሱስ ኣብ ስጋይ እጸውር ኣለኹ” በለ፡ (ገላ6፡17) መከራ ክርስቶስ ንኽቕበል ድልው ስለ ዝነበረ እዩ።
ማዕተብ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ምልክት እምነት እዩ። ማዕተብ ኣብ ብሉይ ኪዳን ደቂ እስራኤል ኣብ ክሳዶም ይኣስሩ ከም ዝነበሩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይግለጽ። ታሪኽ ይሁዳን ታማርን ምስ እንርኢ፡ ድልየቱ ንምፍጻም ትሕጃ ክህባ ኣብ ዝለመነትሉ፡ ምስ ሰኣነ፡ ቀለቤትካን ማዕተብካን እታ ኣብ ኢድካ ዘላ በትርኻን ሃበኒ በለቶ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ብማዕተቡን በትሩን ተረትዐ። (ዘፍ 38፡12-23) ታማር ንማዕተብ ከም ትሕጃ ምቕባላ፡ ኣብዚ ክብሪ ማዕተብ ንግንዘብ።
ማዕተብ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንምጀመርያ ግዜ ዘእተወ ኣቦ ኣቡነ ያዕቆብ ዘኣልበረድእ እዩ። ብዘመነ ሰማእታት ክርስቲያን ከቢድ ግፍዒ ኣብ ዝወርዶም ዝነበረ እዋን፡ ከተማ ኣንጾኪያ፡ እታ ዝሓሸት ሰላም ዝለመልአ ከተማ ነበረት እሞ፡ ካብ ዝተፈላለየ መኣዝን ዝመጹ ክርስቲያን ኣብኡ ይእከቡ፡ ዝጥመቑ ሕጻናት ድማ ኣዚዮም ብዙሓት ነበሩ። ኣብዚ እዋን ነቶም ዝተጠምቁን ዘይተጠምቁን ምትሕውዋስ ንኸይከውን፡ ነቶም ዝተጠምቑ ጻዕዳ ፈትሊ ኣብ ክሳዶም ኣሰረሎም፡ በዚ ኸኣ መላለዪ ምልክት ኮነ። ካብ’ዚ እዋን ጀሚሩ ከኣ ኣቦታት ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ንምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ካብ ኣህዛብ ፈልዩ መላለዪን፡ ከምኡ’ውን ብትምቀት ዉሉድነት ስላሴ ዝረኽቡ ምዃኖም ዝምስክር ምልክት ምዃኑ ስለ ዝተገንዘቡ ንኹሉ ውሉድ ጥመቀት ክኣስረሉ ጀመሩ። ኣብ ሃገርና ኤርትራ “ማዕተብ” ምእሳር ምስ ምእታው ኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ዝኣተወ እዩ።
ትርጉም ማዕተብ
ካብ ኣህዛብ ፈልዩ፡ ደቂ መዛሙርቲ ክርስቶስ ምዃና ይምስክር። ክርስቲያን ምኻንካ ዝኾነ ይኹን ሰብ ብማዕተብካ የለልየካ። ብዙሓት ናይ ዘመና እምነት ኣሎና በሃልቲ፡ እምነት ኣብ ልብኻ እምበር ኣብ ክሳድካ ማዕተብ ስለዝገብርካ ኣይኮነን ክብሉ ይስምዑ። እዚ ሓቂ እዩ፡ ግና’ኸ እምነት ዘለዋ ልብስ ንማዕተብ ኣይትጸልእን እያ። እምነት እንተ ዝህልዋ ኔሩስ፡ ዕላመት ክርስቶስ ክትጸውር ኣይምጸልአትን ነይራ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ቤተ መቕደስ ህያው ኣምላኽ ኢኹም”፡ ድሕሪ ምባል “ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።” በለ (1 ቆሮ 6፡20) ስጋና ናይ ክርስቶስ ምልክት ዝኾነ ማዕተብ መስቀል ክትጸውር ኣይግባእን ማለት፡ መሰረት ምልኣት እምነት ኣይኮነን። እምነት ምልኣት ክህልዋ፡ ብውሽጢን ብደገን ምስ ትትግበር እያ። ሓደ ሰብ ብውሽጡ እምነት ኣሎኒ እንተበለ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ፡ ብማዕተብ ክርስቲናኡ ክገልጽ ሓፋርን ፈራህን እንተኾነ፡ ከምቲ ጎይታ ዝበሎ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ እዩ፡ ዝኽሕድ ዘሎ። (ማቴ 10፡32) ስለዚ ብማዕተብ ስቅለት ጎይታና ኣብ ስጋና እዩ ዝገልጽ። (ገላ 6፡17)
ማዕተብ ንዶግማ ቤተ ክርስቲያን እዩ ዝገልጽ።
ኣብ ክሳድና እንኣስሮ ሓደ ፈትሊ በይኑ ወይ 3ተ ብሓደ ዝፍተል ማለት (ብሰለስተ ሕብሪ) ዝቀውም እዩ። እዚ ጻዕዳ ምስ ዝኸውን፡ ብደም ክርስቶስ ከም ዝነጻህና የመልክት። ክምኡ’ውን ኣዕጽምቱ ክሳዕ ዝርአ ስለና ክብል ከም ዝተገርፈ የመልክት። ቀይሕ ብደሙ ከም ዝደሓና ከመልክት ከሎ፡ ጸሊም ድማ ስጋ ለቢሱ ኣብዛ ዓለም ከም ዝተገልጸንስለና ክብል ስጋኡ ክሳዕ ዝርግፉ ከም ዝተሳቀየን፡ ይገልጽ። 3ተ ፈትሊ ኣብ ሓደ ጠምጢምና ኣብ ክሳድና ምእሳርና፡ ናይ ሓድነትን ሰለስትነትን ስላሴ የመልክት። በዚ ኸኣ በቲ ሓደን ልዑል ብዝኾነን ብጎይታናን መድሓኒናን፡ ብምፍሳስ ደሙን ብምቁራስ ስጋኡን ድሕነት ከም ዝረኸብና ንኣምን። ንእምነትና ኸኣ፡ ኣርማ ክርስቲያን ብዝኾነ፡ ብማዕተብን መስቀልን ንገልጾ። “ወዘልፊ፡ ንጸውር ሞቶ ለክርስቶስ በስጋነ፡ ከመ ይትዓወቅ ሕይወቱ ለክርስቶስ በላዕለ ዝንቱ ነፍሳትነ፡ መዋቲ።” ትርጉም “ህይወት የሱስ ኣብ ስጋና ምእንቲ ኽትግገድ’ውን፡ ኩሉ ሳዕ ሞት የሱስ ኣብ ስጋና ንጸውር ኣሎና” (1 ቆሮ 4፡10) ከምቲ ቃልና ምስክር ክርስቶስ ክኸውን ዝግብኦ፡ ኩሉ ኣካላትና ንኽብሪ ኣምላኽ እዩ ዝተፈጥረ፡ ክሳድና’ውን ክሳዕ ሞት እሙን ብምዃን ክምስክር ይግባእ እዩ።
ማዕተብ ንኽብሪ ኣምላኽ ኢና ንኣስሮ።
ክርሰቲያን ብቓሉ ብግበሩ፡ በካይድኡ፡ ንኽብሪ ክርስቶስን ምስክሩን ክኸውን ከም ዘለዎ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብኸምዚ ይገልጾ “ንኽብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን እቲ ዝሓይሽ ክትምርምሩ፡ እቲ ፍቕርኹም’ውን ብፍልጠትን ብምስትውዓልን ዘበለ ኹሉን ኣዝዩ እናበዝሔ ኪኸይድ፡ እዚ እልምን ኣለኹ።” (ፊል 1፡9-11) ቅዱሳን ኣበው፡ እቲ ቅኑዕ ዝኾነ ስርዓት ኣምልኾ እንታይ ምዃኑ ብመንፈስ ቅዱስ ተመርሖም ገሊጾምልና እዮም። ማዕተብ ከኣ ሓደ ካብ ናይ እምነት ምስክርን ምልክትን ምዃኑ ፈልጥና ንመጋየጺ ዘይኮነ፡ ንሓቀኛ ውሽጣዊ እምነትና ዝገልጽ ምዃኑ ተገንዚብና፡ ክንኣስሮ ይግባእ። በታ ቅዱሳን ዘርኣዩና መገዲ ድማ ንመላለስ። “ኣቱም ፍቑራተይ፡ ብዛዕባ ሕብረት ምድሓንና ብኹሉ ቕንኣት ክጽሕፈልኩም ምስ ደለኹ፡ በታ ሓንሳእ ንቕዱሳን እተዋህበት እምነት ክትጋደሉ ጽሒፈ ክመኽረኩም፡ ናይ ግዲ ኾነኒ። (ይህ 3)።

ምንጪ፡ መሰረት እምነት ብመም. ዘርአ ገብረእግዚኣብሔር
ወስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር። ኣሜን!!!

Wednesday, February 1, 2012

እቲ ጥፉእ ወዲ (ሉቃ 15፡11-31)


+ በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን!!!


ደጊም’ሲ ኣብ ቤት ኣቦይ ይኣኽለኒ
ምስ ካልኦት ኣብ ደገ ምንባር ይሕሸኒ
በልኩ ብድፍረት ከይፈለጥኩ ኣየን ከም ዝጠቕመኒ
                  ሓወይ ሓፍተይ ተጋግየ ድየ ወይስ ሓቀይ
                  ካብ ቤት ኣቦኻ ወጺኻ ዝርከብ ስቓይ
                  ዘንብዕ እዩ ዘጣዕስ ዳሕራይ
ድሕሪ ነዊሕ ከርተት
ምስ ብዙሕ ናፍቖት
ቤት ኣቦይ በሃግኩ ክምለስ ብትብዓት
                   ኦ ኣቦይ ይቕረ በለኒ
                   ከም ወድኻ ዘይኮነ ከም ግዙእካ ሕሰበኒ
                   መጺኤ ኣለኹ ምሕረትካ ሃበኒ
መርሓባ ዝወደይ ኢሉ ሓቂፉኒ
ንብዓተይ ደሪዙ እናሰዓመኒ
ክገልጾ ዘይክእል ሓጎስ ተሰመዓኒ
                     እቲ ዝጠፍአ ወደይ መጺኡ ኣሎ
                     ስብሕቲ ላም ጌርና ንቀበሎ
                     ንተሓጎስ ፌስታ ንግበር ጸውዑ ንብዘሎ
ኦ ኣቦይ ደጊምሲ ኣብ ኢድካ እየ ሞ ኣይክፈርህን
ትዕዛዝካ ክፍጽም ፍቓድካ መሊኤ ኣይድንግን
ተረቲዐ እየ ሎምስ ንድሕሪት ኣይምለስን