እመ ብረሃን ምርሕኒ መንገዲ ቕድስና
ንኽትተግህ ነፍሰይ ወትሩ ንምስጋና (4)
ስፍራ ቕዱሳን ክኸውን እቲ ናተይ ርስተይ
ካብ ጎደና ኣበሳ ኣውጽእያ ነፍሰይ
ዕላማ ናይ ምፍጣረይ ኔሩ ንኸመስግን
ብናይ ጽድቂ ጎደና ንኽመላለስ’ውን
ኣይከኣለትን ስጋይ ክትእዘዝ ንነፍሰይ
ሕጅስ በርቲዑኒ’ሎ ናይ ሓጢኣት ስቓይ
እመ ብረሃን ምርሕኒ መንገዲ ቕድስና
ንኽትተግህ ነፍሰይ ወትሩ ንምስጋና
ስፍራ ቕዱሳን ክኸውን እቲ ናተይ ርስተይ
ካብ ጎደና ኣበሳ ኣውጽእያ ነፍሰይ
ጎይታይ ስለይ ምስቃሉ ብዕላማ ኔሩ
ሰላም ንኽህበኒ ጸላኢ ኣሲሩ
ውዕለት ስቕለት ቀራንዮ ከይሃስስ ካብ ልበይ
ስለይ ቁሚ ድንግለይ ክዓቢ ልቦናይ
እመ ብረሃን ምርሕኒ መንገዲ ቕድስና
ንኽትተግህ ነፍሰይ ወትሩ ንምስጋና
ስፍራ ቕዱሳን ክኸውን እቲ ናተይ ርስተይ
ካብ ጎደና ኣበሳ ኣውጽእያ ነፍሰይ
ትእዛዛቱ እንከሎ ኣብ ውሽጢ ሕልናይ
ትግሃተይ ተዘሪጉ ይስዓር ብስጋይ
ምረት ሲኦል ክሓስብ ትዝኽእል ንኻልኢት
ምዓረፈት’ዶ ስጋይ ካብዚ ኽፉእ ትምኒት!
እመ ብረሃን ምርሕኒ መንገዲ ቕድስና
ንኽትተግህ ነፍሰይ ወትሩ ንምስጋና
ስፍራ ቕዱሳን ክኸውን እቲ ናተይ ርስተይ
ካብ ጎደና ኣበሳ ኣውጽእያ ነፍሰይ
የለን ከማኺ ማርያም ጭንቀይ ዘካፍሎ
ዝኽርኺ በረኸት’ዩ ሰላም ንኣእምሮ
ተስፋ ጉዕዞ ሕይወተይ ድንግል ተለመኒ
ስምኪ ጥዑም መኣዛ ስንቂ ይኹነኒ
እመ ብረሃን ምርሕኒ መንገዲ ቕድስና
ንኽትተግህ ነፍሰይ ወትሩ ንምስጋና (2)
ስፍራ ቕዱሳን ክኸውን እቲ ናተይ ርስተይ
ካብ ጎደና ኣበሳ ኣውጽእያ ነፍሰይ
No comments:
Post a Comment