Saturday, October 8, 2011

መንፈሳዊ ምልምማድ


 በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

ቃል ኣምላኽ ካብ ንሰምዕ ውሑድ ኣይገበርናን፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክንመላለስ ምኽርን ተግሳጽን ካብ ዝወሃበና ሎሚ ዘይኮነስ ትማሊ ኮይኑ። ከምቲ ሓደ ህጻን ተወሊዱ ክሳብ እኹል ዝኾውን ዕብየት ዘርኢ ንሕና’ውን ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዕብየት ከነርኢ ኣሎና። ትእዛዛት እግዚኣብሔር ኣብ ምሕላው ዝወሰድናዮ ስጉምቲ እንታይ ኣሎ፤

ቅድሚ ዝኾነ ነገር ክንገብሮ ዝግበኣና ድኽመታትና ምልላይ እዩ። ከመይ እንተ ኢልና፡ ጌጋ የብለይን ዝብል ሰብ ንጎይታ ምድሕን ህይወተይ ክብሎ ኣይበቅዕን እዩ። “ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር ጥዑያት ኣየድልይዎን” (ማቴ 9፡12) ስለዝብለና። ብሓቂ መዓልታዊ ኣብ ኣእምሮና ክመላለስ ዝግብኦ ዓቢ ህያው ቃል እዩ። ደጊሙ’ውን ብርሃን ዓለም ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ “ምስ ሓጢኣት ብምቅላስኩም ገና ኽሳዕ ኣብ ደም እትበጽሑ ኣይተቓወምኩምን” ዕብ 12፡4 ። ስለዚ ድኽመታትና ኣለሊና ናብ ምውጋዱ ክንጽዕር እንተኾይና መንፈሳዊ ምልምማድ የድልየና። ኣድላይነት መንፈሳዊ ምልምማድ ዓቢ ኣተኩሮ ዘድልዮ ምዃኑ፡ ቅዱሳን እግዚኣብሔር በዚ ልምምድ’ዚ ምሕላፎም እዩ። ንኣብነት “እቲ ሰብኣይ ሙሴ ግና ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ ዓቃል ነበረ” ዘሑ 12፡3። ነዚ ህያብ ክረክብ ዝኸኣለ ሙሴ ድሕሪ ብዙሕ ምልምማድ እዩ። መረጋገጺ ዝኾነና ሙሴ ቅድሚ ናብ በረኻ ምውጽኡ ብሕርቃን ዝኣክል ንሓደ ግብጻዊ ቀቲሉ ከምዝቀበሮ ዝዝከር እዩ (ዘሑ 2፡12)። ብርሃናት ዓለም ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ቀዳመይቲ መልእኽቱ ንወዱ ጢሞቴዎስ ኣብ ዝጸሓፎ“እቲ ስጋዊ ምልማድ ንቕሩብ ነገር እዩ ዚጠቅሞ ኣምልኾ ግና ንኹሉ ይጠቅም፡ ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን” 1 ጢሞ 4፡8  ክብል መኺሩናን ምዒዱናን እዩ። እዚ ከኣ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሔር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ” ምሳ 3፡5 ። ማለት ኣብ እግዚኣብሔር ምጽጋዕ እንኮ ኣማራጺ ሒዝና ክንቀርብ ኣሎና።

መንፈሳዊ ምልምማድ ኣብ ቋሕ ሰም ዝልመድ ኣይኮነን። ንኣብነት ትሕትና ክንማሃር መጀመርያ ብነፍስና ንጅምር። ነፍስና ባዕልና ዘይምንኣድ። ሓደ ምልምማድ ወዲእካ ናብቲ ካልእ ክትሰግር ጥበብን ዘይምህዋኽን የድሊ። ባዕልኻ ነፍስኻ ከም ዘይትንእዳ ምስ ኮንካ ኣጽኒዕካ’ውን ምስ ኣረጋገጽካ ናትካ ባህሪ ይኸውን። ናብ ካልእ ልምምድ ድማ ትኣቱ፡ ንሱ ኸኣ ውዳሴ ሰባት። ውዳሴ ሰባት ንትዕቢት ስለዘኸትል ነዚ’ውን ብሜላ ክኸውን ኣለዎ። ካብኡ ቀጺሉ ዝመጽእ ሰባት ክውድሱኒ ከለው ሓጥኣተይ ዘኪረ ይጥንቀቕ እናበልካ ንሓደ መንፈሳዊ ልምምድ ብዓወት ትዛዝሞ። 14 ቀጸላታት ናይ ፍቕሪ ብርሃናት ዓለም ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ንሰብዓ ቆሮንጦስ ኣብ ዝገለጾ ኩሉ ብሓንሳብ ክላመዶ እየ ክትብል ወላሓንቲ ከይተላመድካ ግዜኻ ትባኽን (1 ቆሮ 13 )። ስለዚ ኩሉ ብዓቕሊን ዘይምህዋኽን ንግበሮ።
ንኣብነት ጾም እንተ ወሲድና፡ ጥልላት ዘይምብላዕ ጥራይ ዘይኮነስ ክሳብ ዝተወሰነ ግዜ ምውዓል ወይ ምውዓልን ምሕዳርን እዩ። ኣርኣያ ኩሉ ዓለም ዝኾነ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ“ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ምስ ጾመ ድሕርዚ ጠመየ” ማቴ 4፡2 ይብለና። ጾም ንጸውም ኣለና ክንብል እንተኾይና መጀመርያ ጥምየት ክስመዓና ኣለዎ። እዚ ከኣ ሎሚ ሓንቲ ሰዓት እንተ ጠሚና ጽባሕ ከኣ ክልተ ከምኡ ኢና በልና ጾም ሓደ ካብ ባህርያትና ይኸውን።

ምኽሪ መንፈሳዊ ልምምድ፡

  • ·        ፍሉይን ንጹርን ዝኾነ ምልምማድ

  • ·        ዓቕምኻ ዝኾነ ከተተግብሮ እትኽእል ልምምድ

  • ·        ቀጻልነት ልምምድ፡ ንኣብነት ህዱእ ክኸውን እየ ኢልካ እንተወሲንካ እሞ ኸኣ ኣብ ጫውጫው ዝመለኣ ዓለም እናነበርካ ነቲ ሒዝካዮ ዘለኻ ዕላማ ዕንቅፋት ክኾነካ የብሉን። ዘረባይ ከሕጽሮ እየ ኢልካ ትጅምር። ንሓንቲ ቃል ዘድልያ ምሉእ ሓሳብ ክህበላ ኣየድልን፡ ንሓደ ምሉእ ሓሳብ ዘድልዮ ኣስተምህሮ ክህበሉ የብለይን ምባል። ብዙሕ ቃላት ናይ ዝተጠቀምካ ብዙሕ ይሰምዓካ ማለት ኣይኮነን። ነዚ ምስወዳእካ፡ ኣብ ኣድላይ ክዛረብ ኢልካ ምውሳን፡ ዓው ኢልካ ዘይምዝራብ፡ ትሑት ድምጺ ምጥቃም ከምኡ እናበልካ ልሳንካ ትእድባ፡ ነታ እሳት ዝኾነት ልሳንካ ንኹሉ ኣካልካ እትምርዝ ልሳን ጌጋታታ ተሕጽሮ።  

  • ·        ምሳሌ 24፡16 “እቲ ጻድቕ ሾብዓተ ሳዕ ይወድቕ እሞ ይትንስእ” ጻድቕ ከምዚ ካብ ኮነ ኣብ ምውዳቕካ ኣይትተሓለል። ምኽንያቱ ምውዳቕ ንቡር እዩ እቲ ዘይንቡር ግና ዘይምትንሳእ እዩ። ምውዳቕካ መንፈሳዊ ብስለት እናኣጥረኻ ጸላኢኻ ከመይ ጌሩ ከምዝዋገኣካ ተለልየሉ ሜላ እዩ። በዚ መሰረት ከኣ ንኻልኦት መወከሲ ትኸውን። ብተወሳኺ ኣብ ምውዳቕ ዝምልከት ቀጻሊ ዕውት ምዃን ናብ ትዕቢት ስለዝመርሓካ ትሕት ንኽትብል ይሕግዘካ። ካብቲ ምሕረቱ ዘይውዳእ ልዑል እግዚኣብሔር ኣምላክ ሓይሊን ጽንዓትን መለመኒ ይኾነካ።


ምንጪ፡ (The Spiritual Means: Spiritual Training)
ብብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ 3ይ
መበል 117 ፖፕ መንበረ ማርቆስን
ፓትርያርክ እስክንድርያን

ወስብሓት ለእግዚኣብሔር!!!