Wednesday, April 13, 2011

ገድሊ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!


እግዚኣብሔር መንፈሳዊ ገድሊ ክህሉ ዘፍቀደ ስለዝጠቅመና በረኸት ከኣ ስለዘለዎ እዩ። ንኣብነት ቅዱሳን ኣቦውኣኽሊል በረኸት ዝለብስ ዕዉት እዩ እቲ ዝዕወት ከኣ ዝተጋደለ እዩይብሉ።
ብነጻ ፍቃድ  ኢና ተፈጢርና። ኣብዚ ገድሊዚ እንተተዓዊትና ኣፍደገ (በሪ) ወይ ኣኽሊል መሎኮታዊ በረኸት ንለብስ። ጸላኢ ሰናያት ግን ኩሉ ግዜ ኣንጻር ኩሉ ናብ እግዚኣብሔር ዝቀርብ እዩ። ቃልሱ ምስ ዉሉድ እግዚኣብሔር ኣብ ስጋ እዩ። ብቅንኢ ተላዒሉ ድማ ሕማቕ ነገር ክፍሕስ ከም ልምዲ ተታሓሒዙዎ። ኣብነት ዝኾንና ከኣ ታሪኽ ጻድቅ ኣቦና እዮብ (እዮ 1-2) ፈታኒ ስለዝኾነ ንመንገዲ ጽድቂ ዝደለዩ ዕንቅፋት ይኸውን። እዚ ከኣ ብገዛእ ትዕቢቱ ዝተሓረማ ኣኽሊል በረኸት ስለዝሰኣነ እዩ።
ውግእ ሰይጣናት ኣንጻር ኩሉ እዩ፡ ብዙሓትውን ወዲቆም እዮም።
ብዛዕባ ውግእ ክንመሃሃር ከሎና ብዛዕባ እቲ ጸላኢ ሰናያት ዲያብሎስን ወተሃደራቱን ሰዓብቱን ዝተኽልዎ ውግእ ኢና ነምልክት ዘሎና። ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ካብ ኣቦና ኣዳምን ሄዋንን ቃኤልን ዲያብሎስ ዝገበረ ጌሩ ንወዲ ሰብ ኣብ ትሕቲ ዘልኣለማዊ ሞት ከውድቆ ይጽዕር ኣሎ። ንኣብነት ንነብያት፡ ሃዋርያት፡ ነገስታት፡ መንፈስ እግዚኣብሔር ዝሓደሮም ከም በዓል ንጉስ ዳዊት ሳምሶም ኣብ ዓዘቅቲ ሓጥያት ኣውዲቁዎም እዩ። ግን ተናዚሖም እዮም። ብኣንጻሩ ከኣ ከም በዓል ንጉስ ሳኦል መንገዲ እግዚኣብሔር ዝነጸጉ (1 ሳሙ 1614) “መንፈስ እግዚኣብሔር ድማ ካብ ሳኦል ረሓቐ ካብ እግዚኣብሔር ከኣ ክፉእ መንፈስ ይሳቕዮ ነበረክንምለት ንኽእል
ውግእ ሰይጣናት ኣብ ልዕሊ ጀመርቲ ወይ ሓጥኣን ጥራይ ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ ኣንጻር ኩሉ እዩ። ብሕልፊ ነቶም ብኹሉ ርኹባት ዝኾኑ ዓቢ ፈተና ኣለዎም። ስለዚ ንጠንቀቕ ሂወትና ረጊኣ ማለት ናብ ዝቐለለ ፈተናታት ንሰጋገር ማለት ኣይኮንን። ልቢ ኣምላኽ ንጉስ ዳዊትውን ኣብ ትሕቲ ሓጥያት ምንዝርና ወደቀ። ሰይጣን ዝኾነ ዝውሕጦ ድኹም እዩ ዝደሊ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ኣመልኪቱ ድያብሎስ እቲ መጻርርትኹም ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ ኾይኑ ይዘውር ኣሎ እሞ ተጠንቀቑ ንቕሑ  (1ጰጥ 5፡8) ኢሉ ነጊሩና እዩ። ወትሩ ክሃድን ኣብ ዝሮት ኣሎ። እግዚኣብሔር (ኣብ ዛንታ እዮብ) “ካበይ መጺእካ” ኢሉ ምስ ሓተቶ ንሱ ኸኣ ከይሓብአ “ንምድሪ ዞይረያን ተመላሊሰያን መጻእኩ” (እዮ 17. 22) እዚ ዝሮት’ዚ ከኣ ንዝኾነ ከውድቆ ዝኽእል እንተ’ሎ እዩ ዝነግረና።
ዝቃወሞ ሓያል ወላ እንተኾነ ዲያብሎስ ፍጹም ተስፋ ኣይቆርጽን እዩ።
ብዛዕባ ሓጥያት ከምዝተባህለ “ንሳ ንብዙሓት ወጊኣ ኣውዲቓቶም፡ ዝቐተለቶም ከኣ መሊኦም እዮም.. (ምሳ 726) ዲያብሎስ ነቶም 12 ደቂ መዛሙርቲ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ክዋግኦም ድሕር ኣይበለን። ሂያው ዚኾነ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንሃዋርያ ጰጥሮስ “ስምኦን ስምኦን እንሆ ሰይጣን ከም ስርናይ ኪሐሕየኩም ተመነየ። ኣነ ግና እምነትካ ኸይትጠፍእ ምእንታኻ ለመንኩ።” (ሉቃ 2231-32) ኢሉ ንትምኒት ሰይጣን ኣግሃደሉ። ነቢይ ኤልያስ ናብ ሰማያት እግዚኣብሔር ዝጸወዖ ሃዋርያ ያዕቆብ ብዛዕብኡ ኣመልኪቱ ክዛረብ ከሎ “ኤልያስ ከማና ዝድኻሙ ሰብ እዩ ዝነበረ” (ያዕ 517) ይብል። ድፍረት ድያብሎስ ኣብዚ ኣይተሓጽረን ንጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ከም ዝፍትኖ ኣይንስሕቶን ኢና። ብሰለስተ ነገራት (ማቴ 4)፡ ንሳተን ከኣ መብልዕን መስተን፡ ስስዕቲ፡ ንዋይ እየን። ኣብተን 40 መዓልቲ’ውን ብዝተፈላለየ ፈተናታት ፈተኖ እዚ ኩሉ ድያብሎስ ውድቀቱ ዝረኣሉ እዩ። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ስጋና ሓዲሩ “ደጊም ብዘይ ሓጢኣትሲ ብኹሉ ኸምዚ ኸማና እተፈተነ እዩ” (ዕብ 415) ከምኡ’ውን “ንሱ ባዕሉ ኺፍተን ከሎ ተሳቅዩ እዩ እሞ፡ ነቶም ዝፍተኑ ኽረድኦም ይከኣሎ እዩ” (ዕብ 218) ብሓቂ ጎይታና ዝተፈተኖ ኣብ ኩሉ ፈተናታትና ኣርኣያ ክኾነና ኢሉ እዩ። ፈተና እንተ በጸሓካ ኣይትጨነቕ ጎይታና ቅድመኻ ተፈቲኑ እዩ እሞ ከምቲ ጎይታና ዝተዓወተ ንስኻ’ውን ክትዕወት ኢኻ። በይዛ ዓለም ኩሉ ዝኽእል በዓል ስልጣን ክንክሕዶ ዘይንኽእል ሓቂ እዩ። 
ውግእ ሳጥናኤል ኣንጻር ኣምላኽን መንግሰት ኣምላኽን ኣንጻር ቅዱስ ኣካሉ ዝኾና እዩ። ድልየቱ መንግሰቲ ኣምላኽ ምቅዋም እንተኾይኑሉ ሓጎሱ ምሉእ ክኸውን ምእንቲ “ሕሩያት እኳ ኼስሕቱ” (ማቴ 2424) እዩ። ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ሰማይ ዓቢ ሓጎስ ዝኾውን (ሉቃ 1510) ብዘይጥርጥር ሰይጣናት’ውን ውድቀት ሓደ ጻድቅ የሐጉሶም እዩ።
ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ውግእ ሰይጣናት ክምህር ከሎ፡ “እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኮነን እሞ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ ኩሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ” (ኤፌ 611-12) ኣብዚ ቕልስ’ዚ ንምቅዋም መንፈሳዊ ኣጽዋር ከምዘድልየና ብዝርዝር ገሊጹልና። እዚ ከኣ ደገፍ እግዚኣብሔር ዘለዎ እዩ። ምኽንያቱ “ብጀካይ ሓንቲ ኽትገበሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም” (ዮሓ 155) ይብል እግዚኣብሔር። ደገፉ ምስ ኩላትና ይኹን ኣሜን!! ብትንቢት ቅዱሳን ዝተመስከረ ቃል ሓቂ ንኣብነት ልቢ ኣምላኽ ንጉስ ዳዊት “እቲ ውግእሲ ናይ እግዚኣብሔር እዩ” (1 ሳሙ 1747) ዝብል ይርከብ። 
መንፈሳዊ ውግእ ቀጻሊ እዩ መልክዑ ይቅየር እምበር ኣይቋርጽን እዩ።
ኣብ ስጋ ካብ ሃለኻ ኩሉ ግዜ ኣብ ቕልስን ፈተናን ክሳብ ግዜ ሞተካ ምህላውካ ኣይትረስዕ። ስለዚ ኸኣ እዩ ቅዱስ ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብዚ ዘመን ግሽነትኩም ብፍርሃት ንበሩ (1 ጴጥ 117) ዝበለና። ፍርሃት ክብል ከሎ ካብ ሰይጣን ምርዓድ ማለት ዘይኮነስ ኣድላዪ ዘበለ ጥንቃቐ ምግባር ማለት እዩ።
ናይ ሓደ ሰብ ገድሊ ክሳብ ግዜ ሞቱ እዩ፡ ንዓለም ግን ክሳብ መወዳእታ ዓለም እዩ። ኣብ መወዳእታ ዓለም ሰይጣን ካብ ማእስርቱ ተፈቲሑ ንዓለም ከስሕታ ክወጽእ እዩ (ራኢ 207-8) ኣብ ዳሕራይ ዘመን እምነት ምኽሓድ ከም ዝመጽእ ተነጊሩ እዩ(1 ጢሞ 41) “ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ”(2 ጢሞ 31) ቅድሚ ምጽኣት ጎይታ ………
ድያብሎስ ብዘለዎ ሓይሊ ኣብ ምድሪ ክወርድ እዩ “ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ፡ ብብርቱዕ ቁጥዓ ወሪዱኩም ኣሎ እሞ ወይለኹም።” (ራኢ 1212)
ዝበርተዐ ውግእ ምስ ሰይጣን ኣብ ቅዱስ ስራሕ ትጅምረሉ እዩ። ዝኾነ ይኹን መንፈሳዊ ነገር ምስ ትጅምር ሰይጣን ብጣዕሚ ይቁጣዕ። ዘለዎ ሜላ ተጠቂሙ ከኣ ንኸይትዕወት ይጽዕር። ንሕና ስራሕና ንጅምር ንሱ ኸኣ ዘይተኣደነ ዕንቅፋታቱን ሜላታቱን ይጅምር።  
ንሕና ስራሕና ንጅምር ንሱ ኸኣ ዘይተኣደነ ዕንቅፋታቱን ሜላታቱን ይጅምር። ምኽንያቱ ርክብ ምስ እግዚኣብሔር ክህሉወና ደስ ኣይብሎን እዩ። ንምንታይ እንተ ኢልና ከኣ ምንግስቱ ናብ ጥፍኣት ከተምርሕ እያ ኢሉ ስለዝሓስብ። ኣብ ገዳማት ደወል ፍርቂ ለይቲ ምስ ዝድወል እቲ ደወል ንመነኮሳት ጥራይ ዘተንስእ ዘይኮነስ ንሰይጣናት ኣተንሲኡ ነዞም መነኮሳት ካብቲ መደብ ጸሎት ንኸተዓናቅፍዎም’ውን እዩ። ሓደ ካብ ቅዱሳን ኣቦታት ዝበሉዎ ምስ እንርኢ “ጸሎት ከተብጽሕ ምስ ትጅምር ነቲ ፍሕሶ ሰይጣን’ውን ተዳለወሉ” ይብል። ኣብ ጸሎት፡ ስብሓታት፡ መንፈሳዊ ጽሑፋት ምንባብ ድያብሎስ ኮፍ ኢሉ ኣእዳዉ ኣጣሚሩ ኣይዕዘብን እዩ። እንታይ ደኣ ናቱ ስራሕ ይሰርሕ ውግኡ ብዝተፈላለየ ኣጽዋር ይጅምር። እዚ ከሎ እቲ ሓቂ ድልዋት ንኹን ካብ ካህናትና ዝወሃበና ሰናይ ምኽሪ ብጥቃቀ ንፈጽሞ ትእዛዛት እግዚኣብሔር ኩሉ ከም መቀነት ንልበሶ። 


ወስብሓት ለእግዚኣብሔር  
ወለወላዲቱ ድንግል 
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን