Wednesday, April 6, 2011

ኣምላኸይ

+በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

ኦ ኣምላኸይ! ናባኻ ዘቕርበኒ መንገዲ ኣይፈለጥኩዎን፤ ምኽንያቱ ዓቕመይ ዓቕሚ ሰብ ዉሱን እዩ። ኣብ ስጋ ስለዘለኹ ብዙሕ ሕቡእ ስጋዊ ህርፋንን ድለየታትን ኣሎኒ፡፡ እዚ ድልየታት ናባኻ ንኸይመጽእ ይዓግተኒ ኣሎ። ኦ ኣምላኸይ! ኣብ ዘይጠቅም ሃልኪ ናባኻ ዘይየቅርብ ነገራት ግዜይ የጥፍእ ዘለኹ። ነቲ ሕቡእ ድለየታተይ ክንዲ ዘጉድል መሊሰ ዕሽነት ይውስኸሉ። ስለዚ ጎይታይ ንስኻ ኢኻ ክትመጻኒ ትኽእል። ምጻእ ጎይታ! ክብርኻ ግለጸለይ …. ኩልኻ ፍቕሪ ኢኻ… ፍቕርስ ንስኻ ደኣ። ኦ ጎይታ! ኣነ ኣይኮንኩን ነታ ኣብ ልበይ ዘላ ቤት ዝሃነጽኩልካ ንምንታይሲ ”እግዚኣብሔር ንቤት እንተ ዘይሃነጻ ሃነጽቲ ንኸንቱ ይጽዕሩ” (መዝ 127፡1) ስለዝብል። ኣነስ መን’የ ነዓኻ ንበይንኻ ኣምላ ቅዱስ ስፍራ ዝሰርሓልካ፤ ንስኻ’ዶ ኣይኮንካን ንኢዮሩሳሌም ዝሃነጽካ… ናባይ ገጽካ ደኣ ገስግስ ንዓይ ኣይትጸበ ፍቕርኻ ኣብ ውሽጠይ ሓድስ። ኣነስ ብገዛእ ድልየተይሲ ወላሓንቲ ክገብር ኣይክእልን’የ፤ ደገፍካን ጽላልካን ደኣ ለግሰለይ። ናትካ ሓይሊን ጸጋን ደኣ ሃበኒ። እዚ ግን ከይየፍቐርኩኻ ኣይከስተውዕሎን’የ። ከመይ ገይረ’የ’ሞ ከፍቕረካ እንተ ዘይተገሊጽካለይ፤ ስለዚ ፍቕርኻ መዓልታዊ ኣብ ውሽጠይ ክዛይድ ዓይነ ልቦናይ ክፈተለይ። ክብርኻ ምስ ዝፈልጥ ከኣ ፍቕረይ ክዛይድ ናባኻ’ውን ክቐርብ እየ። ምኽንያቱ ሓደ ነቲ ካልኣይ ከይፈለጦ ከመይ ገይሩ ይፈትዎ። ስለዚ ቅዱስ ኣምላኸይ ናባኻ ኣእዳወይ የልዕል ኣለኹ ኣእምሮይን ምስትውዓለይን ከተብርሃለይ ይልምነካ ኣለኹ። ሓቂ ዘበለ ክፈልጥ ንስኻ ዝገለጽካለይ ሓቅነት ደኣ እምበር ብሰባት ወይ ብመጻሕፍቲ ጥራይ ዘይኮነ። ከምቲ ሃዋርያት ዝበልዎ “ንሕና ዝሰማዕናዮ እቲ በዒንትና ዝርኤናዮ እቲ ዝጠመትናዮ ኣእዳውናውን ዘረምሰሳኦ” (1 ዮሓ. 1፡1)..
ኩሉ ፍልጠት ምድሪ ነቲ ናትካ ክብሪ ክትገልጾ ኣይከኣለትን’ሞ በቲ ካልኦት ዝገለጽዎ ፍጹም ፍልጠቶም ኣይኮነን ዝደልየካ ዘለኹ።
ብዘይቅድስና ክትግለጸለይ ኣይከኣልን እዩ። ድኹም ስለዝኾንኩ ኣብ ፈተና ምውዳቀይ ነዓኻ ዝርእየሉ ዕድል ከም ደበና ይጠፍእ። ክርእየካስ ኣይከኣልን ማለት ድዩ፤ ልበይ ኣንጽህ ካብ ስምዒ ክጽዕዱ ሕጸበኒ። ሽዑ መዝሙር ዓወት ክዝምረልካ እየ።