በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
ክብሪ ምስጋና ውዳሴ ኣምልኾ ንዘልዓለም ነቲ ኩሉ ብጥበብን ፍቕርን ዝመልአ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ይኹን። ኣሜን!!!
ኣብ መባእታ ትምህርቲ ሃይማኖት ቤተክርስትያና ስነ-ፍጥረት ዝብል ዓቢ አርእስቲ ናይ ኣፈጣጥራ ዓለም ይርከብ። ኣብ መጀመርያ ምዕራፍ ኦሪት ዘፍጥረት ነዚ ዝምልከት ብሰፊሑ ትገሊጹ ኣሎ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንዓለም ክፈጥር ከሎ ብሰለስተ ማለት ብኣርምሞ(ስቅታ)፡ ብነቢብ(ምዝራብ)፡ ሳልሳይ ከኣ ብገቢር(ምስራሕ) ከም ዝፈጠረ ይነግረና። ዘፍ. 1፡ 1-3 “ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ። ምድሪ ድማ በረኻን ጥራያን ንበረት፡ ጸልማት ከኣ ኣብ ልዕሊ መዓሙቑ ነበረ። መንፈስ ኣምላኽ ድማ ኣብ ላዕሊ ማያት ይዝምቢ ነበረ። ኣምላኽ ከኣ ብርሃን ይኹን በለ። ብርሃን ድማ ኾነ” እግዚኣብሔር ኣምላኽና ዘይውዳእ ብርሃን ከም ዝኾነ ኣይንስሕቶን ንኸውን። ምኽንያቱ ኣብ ወንጌል ዮሓ. 1፡1-5 ንዘሎ ነዚ ሓይለ ቃል ጽቡቕ ጌሩ የብርሆ ስለዝኾነ። ኣብ መንጎ ብርሃንን ጸልማትን ፍልልይ እንታይ እዩ እንተ ኢልና ከኣ ኣምላኽ ብርሃን ምዃኑ "ኣነ ብርሃን ዓለም እየ" (ዮሓ 8፡12) ክብል መስኪሩልና። ግብሪ ዓለምን ስራሕ ዓለምን ግና ጸለማት ግብ ዝበለ ጸልማት እዩ። ግብ ዝበለ ዓይነት ጸልማት’ሲ ኣብ ሂወትና መጸ፤ ከመይ! ብነጻ ፍቃድ ተፈጢርና ከሎና ካብ ህይወት ሞት መሪጽና ኣብ ስቃይ፡ ባእሲ፡ ተንኮል፡ ሕሜት፡ ዘይረሃጽካሉ ምድላይ፡ ስስዕቲ፡ ግዝያዊ ዘብለጭልጭ ናይ ዓለም ድልየታት ወሲድና ትሕቲ ግዝኣት ድያብሎስ ምሩኻት ምዃን ማለት እዩ። ንብርሃን ጸሊእና ንጸልማት ሓሪና ማለት'ዶ ኣይኮነን፤ ፍቃድ አቦ ግና ካብዚ ጸልማት ክንወጽእ እዩ። ምኽንያቱ "ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ" ማቴ 5፡16 ስለዝብለና። ካብዚ ዝዓቢ ህይወት እንታይ ኣሎ ኣሕዋተየ። ደስ ዘብል ብርሃብ 'ኳ ደኣ። ፍቕሪ ተቐኒትና ልብሲ ብርሃን ለቢስና ጎደና ጽድቂ ንጓዓዝ ኩሉ ክሰልጠና እዩ። ልቢ እግዚኣብሔር ብዛዕባ ብጽእና ክናገር ከሎ "ዚገብሮ ኩሉ ይሰልጦ" (መዝ 1፡3) ይብል። ብሓቂ ኩሉ ክሰልጠና እዩ ነዚ መንገዲ እንተሓዝና ነገሩ ኣብ ጸልማት ጸኒሕካ ነቲ ብርሃብ ትስዕቦ እምበር ናብ ጸልማት ኣይትምለስን ኢኻ። ኣብ ጸልማት እንተነበርካ እግዚርኻ ትረግጸሉ ስለዘይትፈልጥ ወትሩ ክትጠራጠር ትነብር ውዒሉ ሓዲሩ ከኣ እግርኻ ትሰብር። ኣብ መገሻ ጎደና ብርሃን ኢና ዘለና'ሞ ንሰጉም ናብ ኢየሩሳሌም ሰማያዊት።
ስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለ ወላዲቱ ድንግል
ወለ መስቀሉ ክቡር!!! ኣሜን!!!