በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
ገድሊ ኣቡነ ኣቢብ ምስ ዲያብሎስ ካብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቅ።
እዞም ቅዱስ ኣቦ ብብሕትውና ካብ ኣቡነ ኣንጦኒ 3ይ ዝኾኑ፡ ቅዱሳት ቦታታት ክበጽሑ ንኢዮርሳሌም ኣብ ዝኸዱሉ እዋን እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንሰይጣን ኪድ ንገሮ ኢሉ ብዝኣዘዞ መሰረት፡ ሰይጣን ድማ ሓንቲ ከይሓብአ ከመይ ገይሩ ንደቂ ሰባት ከም ዘስሕቶም ሓደ ብሓደ ንኣቡነ ኣቢብ ገለጸሉ። ሰይጣን ንኣባ ቡላ ወይ ድማ ኣቡነ ኣቢብ ድላይካ ሕተተኒ ፈትየ ዘይኮንኩስ እግዚኣብሔር ኩሉ እቲ ግብርኻ ንዓለም ከመይ ጌርካ ከም ተስሕታ ንፍቑረይ ኣቢብ ንገሮ ተባሂለ ስለዝተኣዘዝኩ
ከይሓባእኩ ክነግረካ እነኹ ተኣሲረ መጻአ ኣለኹ። ዝደለኻ ሕተተኒ። ኣብኡ ንኣቢብ ድማ ከምዚ ኪብሉ ሕቶኦም ጀሚሩ።
ሕቶ፡ ንሰብ ብዘይፍቃድ እግዚኣብሔር
ከመይ ጌርኩም ተስሕትዎም ዘለኹም።
መልሲ፡ ንሕና ብፍቃድ እግዚኣብሔር
እንተተምላሊሱ ከነስሕቶ ይትረፍ'ሲ ጥቅኡ ምቕራብ ንፈርህ ኢና።
ንሕና ነስሕቶ ግና ካብ መንገዲ እግዚኣብሔር ክእለ ከሎ ኢና። ኣብዚ ግዜ ግና ምቹእ ናይ
መእተዊ ዕድል ንረክብ እሞ ከም ቃሕ ዝበለና እናገበርና ንሕልንኡ ንቆጻጸሮ። ንኣብነት ህጻን
እንተኾይኑ ኣዲኡ ስም እግዚኣብሔር
ዘይትጽውዕ እንተኾይና ኣብኡ ሓዲርና ሕማቅ ጠባይ ከም
ዝህልዎ ጌርና ነዕብዮ። ንኣብነት ቀብጠርጠር፡
ስዲ፡ ተጻራፊ ንገብሮ።
ሕቶ፡
ከመይ ኢልኩም ንመንእሰያት ተስሕቱዎም፤
መልሲ፡
ብፍትወት ዓለም፡ ትዕቢት፡ ትምክሕቲ፡ ብፍቕሪ፡ መልክዕን መስተን፡ ስጋዊ ፍቕሪ፡ ፍቕሪ ደቂ
ኣንስትዮ፡ ንኣዋልድ ድማ ፍቕሪ ደቂ ተባዕቲዮ ከም ዝሓድረን
ፍቕሪ ክዳን ፍቕሪ ድቃስ በረኸት
ናይ እግዚኣብሔር ምእንቲ ከይካፈሉ ናብ ቤተክርስትያን ምኻድ
ነጽልኦም። ልቢ መንእሰይ ቁጥዓ
ከም ዝቃጸል ንገብር። ፍቕሪ ገንዘብ ነሕድረሎም። ብሓሶት ከምዝምሕሉ
ንገብሮም፡ ብሓሶት
ከምዝምስክሩ ንገብሮም፡ ኣብ ልቦም ቅንኢ ነእትወሎም። ከምዚ ጌሮም
ስለዝነብሩ ድማ እቶም
መላእኽቲ ካብኣቶም ይርሕቁ።
ሕቶ፡ ንስኻ መዓስ እትእመን ኮይንካ ንሓሶት ኣቦኣ’ዶ ኣይኮንካን። ከመይ
ጌረ ክኣምነካ ይኽእል፤
መልሲ፡
ፈተየ ዘይኮነኩስ እንሆ ኣብ ልዕለይ ጠጠዉ ኢሉ ናይ እግዚኣብሔር መልኣኽ ስይፉ መሊሑ ገለ
ነገር ከይሕሱ ይሕልወኒ ኣሎ። የግዳስ ኩሉ ዘድልየካ ገለ ከይየጉደልካ
ሕተተኒ እምበር ፍቃደይ
ነይሩ እንተዝኾውን ቅድሚ ኹሉ ነዓኻ መስሓትኩኻ ደኣ እምበር ገለ’ኳ ካብዚ
ምስጢር ሓሶት
ኣይመካፈልኩኻን ምኽንያቱ ነዚ ሜላ መስሓቲና ተረዲኦም ብዙሓት ሰባት ካብ
ፍቃድና ምፍጻም
ሃዲሞም ፈጸምቲ ፍቃድ እግዚኣብሔር ከም ዝኾኑ ስለዝፈልጥ እዩ።
ሕቶ፡
ኣብ ገዳም ቆሮነጦስ ደኣ ንኣምላኽና ክትፍታትነዎ ክንደይ ደፈርኩም፤
መልሲ፡
ኣምላኽ ምዃኑ ኣይፈለጥናን። ሓደ ካብ ነብያት መሲሉና።
ሕቶ፡
ንሰማያት ደይብኩም ናይ መላእኽቲ ምስጋና ተስምዑ’ዶ፤
መልሲ፡
ካብ መዓርግና ምስ ወደቅና ፈጺምና ናብ ሰማይ ኣይንምለስን ኢና። ክሳብ ኣየር ግና ንበጽሕ
ኢና። ሓለቃና ሳጥናኤል እንተ ዘይኮይኑ ንሳ’ውን ሓንቲ ግዜ ንጻድቅ
እዮብ ክፍትኖ ከሎ እዩ።
ሕቶ፡
ንደቂ ኣዳም ምስ ኣስሓትኩም እንታይ ረብሓ ኣለኩም፤
መልሲ፡
ሓቢሮም ምሳና ኮይኖም ኣብቲ ባሕሪ ጸልማት ባሕሪ ሓውን ይሓዝኑን ይነዱን ንዘልኣለም ድማ
ኣብኡ ይኸውን ስፍርኦም።
ሕቶ፡
ኣብ ኣረጋውያን ‘ከ እቲ ትፍትንዎ ፈተነታት ከመይ ዝበለ እዩ፤
መልሲ፡
ካብ ኣጓብዝ መንእሰያት ብዝበለጸ ኣብ ሽማግለታት ወይ ኣቦታት ሰብ-ሓዳር ብትህኪት
ብሸለልትነት ኣብ ልቦም እናኣስሓትና እናኣሕሰብና ጸሎት ከይገብሩ ትህኪት
ጾም ከይጾሙ
ኣንጊሆም ከም ዝበልዑ ቁርባን ወይ ስጉኡን ደሙን ንኸይቅበሉ የብቅዓና
ነብሎም። ብጠቅላላ
ካብ ኩሉ ሰናይ ነገር ከም ዘቋርጹ ንገብሮም። ተራገምቲ ንክኾኑ ኣነ’ኳ
ወዲ እገለ እየ እና በሉ
ብትምክሕቲ ትዕቢትን ከምዝሕዞም ንሕብር። ናይ ሰብ በደል ወይ ጌጋ
ነርእዮም። ንሳቶም ግን
በደል ከምዘይብሎም ሓቐኛታት ኢና ከምዝብሉ ንገብሮም።
ሕቶ፡
ብኽንደይ ዓይነት ተመሲልኩም ንወዲ ኣዳም ተስሕትዎም፤
መልሲ፡
ንሕና ብዘይንመስሎ ነገር የለን። ዕላማና ካብቲ ብርህቲ ሃገር መንግስተ ሰማያት ንሕና ንፈልጣ
ሓንሳእ ንሓዋሩን ዝሰኣናያ ንወዲ ኣዳም ምስ ተዋህበት ንሱ ንኸይኣትዋ
ድልየትናን ሃረርታናን
ስለዝኾነ ብዝተፈላለየ መልክዕ እንዳ ኣደናገርና ስራሕና
ንቅጽል። ምኽንያቱ ባህርያት ወዲ ሰብ
በብዓይነቱ ስለዝኾነ ንሕና መልክዕና እናለዋወጥና ንማርኾ።
ንኣብነት መላእኽቲ ተመሲልና፡
ጻድቃን ተመሲልና፡ ባሕታውያን ተመሲልና፡ ቅኑዓት ሰባት
ተመሲልና፡ ብደቂ ኣንስትዮ ጽቡቕ
ዝመልክዐን መሳርሒና ጌርና፡ ፈታዊ ተመሲልና፡ ብለባማት
ኣረጋውያን ተመሲልና፡ ብነገስታት፡
ብወተሃደራት መሲልና ነስሕቶም። ከምኡ’ውን ኩሎም ኣራዊት
ብኣንበሳ፡ ብነብሪ፡ ብዝብኢ፡
ብህበይ፡ ብውኻርያ፡ ብተመን፡ ብእንቅርዕቢት፡ ብከልቢ፡ ብኣዕዋፍ
ወዘተ……. ተመሲልና ንዓለም
ነስሕታ።
ሕቶ፡
ስለምንታይ በዚ ኹሉ ተመሲልኩም ንፍጡር ወዲ ኣዳም ተስሕቱ።
መልሲ፡
ሰባት ምእንቲ ከይፈልጡና። ምኽንያቱ ኣብ ምድሪ እግዚኣብሔር ኣናኣመስገኑ እንተደኣ
ተቀሚጦም ምስ ሞቱ ናይ ዘልኣለም መንግስተ ሰማያት ስለዝወርሱ።
ብዘይምቁራጽ ለይቲ ምስ
መዓልቲ ብዝተፈላለየ ተምሳላት ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ከነስሕቶም ንነብር።
ሕቶ፡
ንወዲ ሰብ ከመዚ ተመሲልኩም ከምተስሕቱ ዝፈልጥ ፍጡር ኣሎ’ዶ፤
መልሲ፡
ዝፈልጡና ኣለው ዘይፈልጡና’ውን ኣለው። እቶም ዝፈልጡና ፍርሃት እግዚኣብሔር ዘለዎም፡
ብቅንዕና ዝመላለሱ ናብ ኣበ ነብሶም ካህን ከይዶም ኩሉ ሓጥያቶምን
በደሎምን ነጊሮም ብንጽህና
ናብ ቤተክርስትያን ቆሪቦም ናይ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ
ስግኡን ደሙን ዝቅበሉ
ይፈልጡና እዮም። ኮሎ ጌና ናብኣቶም ከይቀረብና ብጨናና ይፈልጡና እዮም።
ምኽንያቱ ንሕና
ረሳሓት ኢና። ኣብ ሓጥያት ዝረሰሐት ሰብነት ድማ ንሓድር። እቶም ዘይፈልጡና
ግን ነዚ ክንገልጾ
ዝጸናሕና ዘይማልኡ ካብ ፍቃድ እግዚኣብሔር ወጻኦም ብፍልጠቶምን ሃብቶምን
ክነብሩ ዝደልዩ
ብስስዕቲ ዓለም ተዋሒጦም ፍርሃት እግዚኣብሔር ዘይብሎም ብሓሳብ ዓለም ትዋጢሮም
ዝነብሩ
ሰባት መን ሙዃና ፈጾሞም ከለሉዩና ኣይከኣሎምን እዩ።
ሕቶ፡
ንመናኩስቲ ፈለስቲ ከመይ ጌርኩም ትፍትንዎም፤
መልሲ፡
ካብቲ ኩሉ ፍጥረት ደቂ ኣዳም እቲ ዝበርተዐን ዝኸበደን ውግእን ባእስን ምስ ባሕታውያን
መነኮሳት እዩ። ኤፌ 6፡10-20 ። ምኽንያቱ እታ ናትና ዝነበረት ክብሪ
ስለዘሕደጉና ነዚኣቶም
ከነውድቆም ከሎና መጀመርያ ብንብዓት ክጽልዩ ከምዝፍጽሙ ንገብር። እሞ
ጽንሕ ኢልና ድሕሪ
ቁሩብ ግዜ ትህኪት ኣምጺእና ነቲ ውዑይ ፍቕሪ ኣምላኽ ከም ዝዝሕል
ንገብሮ። ናይ ዓለም ሓሳብ
ንዘርኣሎም። ካብ ኣብ ገዳም ምቅማጥ ኣብ ከተማታት ንኽነብሩ ነፍትዎም።
ከም እኒ ኣብርሃም
ብቃል ኪዳን ዝጸደቁ ነዘኻኽሮም። ከምኡ’ውን ኣብ ልቦም ጽልኢ፡ ቂም፡
ፍቕሪ ሽመት፡ ፍቕሪ
ገንዘብን ወርቕን ሕሜትን ንኽፍጽሙ ነተጋግሆም። ኣብ ልዕሊ መምህራን ወይ
ሓለፍቶም
ብዝተፈላለየ ተንኮል ከም ዝለዓሉ ማለት ብኽስን ነገርን ምስ ደቂ ማሕበሮም
ተጻሊኦም ፍቆዶ
ከተማታትን ዓድታትን ከም ዝዘሩ ንገብሮም። ኣብ ውሽጢ ሕልንኦም ፍቕሪ ደቂ
ኣንስትዮ
ንተክል። ፍቕሪ ውላድ፡ ብፍቕሪ ቤተሰቦም ከም ዝቃጸሉ ናብታ ዝሓደጉዋ
ዓለም ከም ዝምለሱ
ንገብሮም። ፍቕሪ ጥዑማት መብልዕን መስተን ክዳውንትን ስልማት ነሕድረሎም።
ነቶም ብመርዓ
ዝጸደቁ ንብያት ሃዋርያት ሰማእታት ነዘኻኽሮም። ብድመጺ ኣራዊት ብግርማ
ለይቲ ብቁሪ ጸሓይ
ከመይ ኢሎም ዕድሚኦም ምሉእ ከምዝሕልፍዎ ነሕስቦም። ተስፋ ቆሪጾም
ከምዝጨነቁ ንገብር።
ብሕልምን ብምትሃትን ነፈራርሆም። ኣብ ቅድሚኦም ኣራዊት መሮር ተራኽቦ
ክገበሩ ከለዉ
ንርእዮም። ፍትወትን ክሳብ ዝወድቁ ንገብሮም። ከይንስሑ ከኣ ጽንዓትን
ትዕቢትን ትምክሕትን
ሕማቕ ፍርሃትን ኣሕዲርና ዓይነ ልቦንኦም ነዕውሮም። ጸሎት እንተጸለዩ ነቲ
ጸሎት ብታህዋኽ
ብዘይምስትምቃር ከይተረድኦም ከም ዝጽልዩ ኣብ መንጎ ጸሎት እቱው ውጽእ
ከም ዝብሉ
እንተጸለዩ ብዘይፍርሃት ኣብ ቤት ክርስትያን ደው ምባል ገዲፎም
ኮፍ ከም ዝብሉ ኣብ ግዜ ጸሎት
የእጋሮም ከም ዝሓልኩ ንገብሮም። ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ንየማን ንጸጋም
ነመላልሶም። ኣብ
ልቦም ኣቲና ውጻእ ውጻእ ነብሎም። ከምዚ ስለዝገበሩ ከኣ መላእኽቲ
ይጸልእዎምን
ይፍንፍንዎምን። ሽዑ ንሕና ኣብ ቁጽጽርና ነኸነእትዎም ጥጡሕ
ባይታ ንረክብ። ከምኡ’ውን
ካህናትን ድያቆናትን ብድፍረትን ብትዕቢትን ናብ ቤተመቕደስ ኣትዮም ምስ
ቂምን በቀልን ጽልእን
ባእስን ክርክርነ ህልኽን ኣብ ልቦም ኣሕዲሮም ከምዝኣትዉ ንገብር።
ከምኡ’ውን እቲ ድያቶን ይኹን
ካህን ነቲ ንባብ ወይ’ውን ነቲ ዜማ እንተ ጸይቁዎ ከም ዝላግጹን ከም
ዝንዕቅዎም ንገብር። ክጽልዩ
ከለዉ ንምዕራብ ናባይ ገጾም ክመዝጽልዩ ይገብር። መስተ ኣብዚሖም
ኣብ ቅድሚ ሰባት ሕማቕ
ኣርኣያ ከም ዝኾኑ ንገብሮም። እቶም ንዕኦም ዝረኣዩ ድማ ንሃይማኖቶምን
ነቶም መራሕቶምን ከም
ዝንዕቁ ንገብሮም። መጻሕፍትን ጸሓፍቶምን ክም ዝጸረፍዎም ኣነ ኸኣ
በቲ ዝኣምንዎ መጽሓፍ
ክጸርፍዎም ምስ ዝስምዕ ኣዝዩ ደስ ይብለኒ። ኣቡነ ኣቢብ ነዚ ምስ ሰምዑ
መሪር ብኽያት በኸዩ።
ስለዚ
ኸኣ ስለምንታይ ትበክን ትሓዝንን ኣሎኻ፤ እዞም ኩሎም ድያቆናትን ከሃናትን መኖኮሳትን
ጳጳሳትን ከማኻ ኣይኮኑን እምበኣርከስ ክትሓዝነ ክትበክን
እንተደሊኻ ምእንቲ እቶም ዳሕራይ ዘመን
ዝወልዱ ደቂ ኣዳም
ብኸ፡ ሰለ ነገስታት ብኸ፡ ምእንቲ ጳጳሳት ብኸ፡ ምእንቲ መነኮሳት ብኸ፡ ምእንቲ
ካህናት ብኸ፡
ምእንቲ ድያቆናት ብኸ፡ ምእንቲ ኣቦታትን ኣዴታት ብኸ፡ ምእንቲ መንእሰያትነ
ኣዋልድን ብዘይሕጊ ድንግልንኦም ንዝሙት ዝሸጡ ብኸ፡ ነዚኣቶም ኣብ ዝመጽእ
ዘመናት ኣብ ትሕቲ
መርገጽ እግረይ ናብ ሓጥያት ከስግዶም እየ። ፍቃደይ ክፍጽሙ
ብዝመራሕኩዎምን ክኸዱ። ረሃጾም
ነዓይ ከም ዝገብሩ ብኽያቶምን ኣውያቶምን ስለርእሶም ዘይኮነ ስለእቶም
ብሞት ዝሓለፉ ኣሕዋቶምን
ኣዝማዶምን ጥቅሚ ዘይብሉ ብንብዓትን ሓዘንን ልቦም ከምዝሓርር ክገብር
እየ። ኩሉ ኣምላኽ
ዝገበረሎም ካብ ዓይኖም ሰዊረ ብልመዲ ከምዝነብሩ ኮይኑ ከርእዮም እየ።
የዕሩኽተይን ፈተውተይን
ክገብሮም እየ።
ስለዚኣቶም ተማህለል። ኢሉ እቲ ፈታኒ ዘረብኡ ምስ ወድአ ኣቡነ ኣቢብ ብኽያቶምን
ንብዓቶምን ካብ
ቀዳማዩ ዳሕራዩ ገደደ።
ስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!!!
kala hiwet yesmealna hawena
ReplyDeleteቃለ ህይወት የስምዓልና
ReplyDeleteተባረክክ!!!!!!!!!!!!!!
ReplyDeleteኣምላኪየ ሆይ ነጽረኒ በከመ ምሕረትከ ኣምላክነ ወኣኮ በከመ ኣበሳነ
ReplyDeleteቃለ ሂወት የስማዓልና፡ኦ ርህሩህን ፈቃርን ባዓል ሙሉእ ምህረትን እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ንዓና ሓጥኣን ደቅካ ከም ብዝሒ በደልና ዘይኮነስ ከም ሳህልኻን ምሕረትካን ማሓረና ፡ንጻድቃን ሲ ከም ግብሮም ኢካ ትምሕሮም።
Delete