ናይ ልበይ ኩሉ ንመን ክነግር
ብዘይበኣኺ ምስ መን ክመክር (2)
ናይ ድኹማት ሰብ መጸግዒት ኢኺ
ሓዘን ጭንቀተይ ተርሕቅለይ ኢኺ
ቅዱሳን ኣቦታት መሪጾምኺ (2)
ስለዝወጹ ካብ ሲኦል ሓዊ
ክድሕን’የ ድንግል በኣኺ (2)
ኣድሕንኒ’ለ ምስ ጸዋዕኩኺ
ናይ ልበይ ኩሉ. . . .
ግዜ ሽግረይ ምርኩሰይ’ኺ (2)
ንኽትረድእኒ ፍጹም መጺኺ
ኩሉ ግዜ ነዓይ ጽቡቕ ገርክለይ (2)
እንታይ’ሞ ክብል ቓላት ዘይብለይ
ናይ ልበይ ኩሉ. . . .
ዋሕሰይ እኺ ድንግል ኣደየ (2)
ስምኪ ዝፈለጥኩ ብንእስነተይ
ስምኪ ንሓጥኣን ዝቅድስ’ዩ (2)
ካብ ሞት ናብ ሂወት ዝመልስ’ዩ
ናይ ልበይ ኩሉ. . . . (2)
No comments:
Post a Comment