Wednesday, March 23, 2011

ክዝምረሉ ንዓይ ዘፍቀረኒ


ክዝምረሉ ንዓይ ዘፍቀረኒ
ሓጥያተይ ገዲፉ ሕይወት ሂቡኒ      (2)
እንተ ዘይከኣልኩ ክመልስ ውሬታ
ከመስግኖ’የ ይኽበር ናተይ ጎይታ
              ፍቕረይ ሰሓቦ ካብ ላዕላይ ሰማይ
              ናብ ምድሪ መጸ ኣምላኽ ኣዶናይ
              ዕርቃኑ ኾነ ጸጋ ከልብሰኒ           (2)
              ስለይ ተሰቕለ ሕይወት ክህበኒ
ክዝምረሉ ንዓይ ዘፍቀረኒ
ሓጥያተይ ገዲፉ ሕይወት ሂቡኒ     
እንተ ዘይከኣልኩ ክመልስ ውሬታ
ከመስግኖ’የ ይኽበር ናተይ ጎይታ
               በጃ ኾይኑኒ ብኽቡር ደሙ
               ለጌዎን የለን ከይዱ ሃዲሙ
               ኣርዑተይ ኣሙሊቑዎ ካብ ክሳደይ   (2)
               ኣዊጁ ጎይታ ናተይ ናጽነተይ
ክዝምረሉ ንዓይ ዘፍቀረኒ
ሓጥያተይ ገዲፉ ሕይወት ሂቡኒ     
እንተ ዘይከኣልኩ ክመልስ ውሬታ
ከመስግኖ’የ ይኽበር ናተይ ጎይታ
               ንቕዱስ ቃሉ ጽሒፉ ኣብ ልበይ
               ሓዲሽ ኪዳኑ ሂቡኒ ጎይታይ
               ተቐዲዱ እቲ ዕጹው መጋረጃ    (2)
               ጎይታ ኾይኑኒ ናይ ዘለዓለም በጃ
ክዝምረሉ ንዓይ ዘፍቀረኒ
ሓጥያተይ ገዲፉ ሕይወት ሂቡኒ     
እንተ ዘይከኣልኩ ክመልስ ውሬታ
ከመስግኖ’የ ይኽበር ናተይ ጎይታ
               ስሙ ኢየሱስ ናይ ዓለም ምድሕን
               ውዒሉ ኣብ መስቀል ሞተይ ክኸድን
                  ካብ ውድቀተይ ኣልዒሉኒ ብኢዱ  (2)
                  ሒዘዮ ኣለኹ ናይ ሕይወት መንገዱ
ክዝምረሉ ንዓይ ዘፍቀረኒ
ሓጥያተይ ገዲፉ ሕይወት ሂቡኒ      (2)
እንተ ዘይከኣልኩ ክመልስ ውሬታ
ከመስግኖ’የ ይኽበር ናተይ ጎይታ
                 

                 

No comments:

Post a Comment