+ በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
ደጊም’ሲ ኣብ ቤት ኣቦይ ይኣኽለኒ
ምስ ካልኦት ኣብ ደገ ምንባር ይሕሸኒ
በልኩ ብድፍረት ከይፈለጥኩ ኣየን ከም ዝጠቕመኒ
ሓወይ ሓፍተይ ተጋግየ ድየ
ወይስ ሓቀይ
ካብ ቤት ኣቦኻ ወጺኻ ዝርከብ
ስቓይ
ዘንብዕ እዩ ዘጣዕስ ዳሕራይ
ድሕሪ ነዊሕ ከርተት
ምስ ብዙሕ ናፍቖት
ቤት ኣቦይ በሃግኩ ክምለስ ብትብዓት
ኦ ኣቦይ ይቕረ በለኒ
ከም ወድኻ ዘይኮነ ከም ግዙእካ
ሕሰበኒ
መጺኤ ኣለኹ ምሕረትካ ሃበኒ
መርሓባ ዝወደይ ኢሉ ሓቂፉኒ
ንብዓተይ ደሪዙ እናሰዓመኒ
ክገልጾ ዘይክእል ሓጎስ ተሰመዓኒ
እቲ ዝጠፍአ ወደይ መጺኡ
ኣሎ
ስብሕቲ ላም ጌርና ንቀበሎ
ንተሓጎስ ፌስታ ንግበር
ጸውዑ ንብዘሎ
ኦ ኣቦይ ደጊምሲ ኣብ ኢድካ እየ ሞ ኣይክፈርህን
ትዕዛዝካ ክፍጽም ፍቓድካ መሊኤ ኣይድንግን
ተረቲዐ እየ ሎምስ ንድሕሪት ኣይምለስን
No comments:
Post a Comment