ከም ብዝሒ ሳህልኻ ኣምላኽ መሓረና (2)
ከም`ቲ ምሕረትካ`ውን ይቕሬታ ሃበና (2)
ኣንጽሃኒ ጎይታ ካብ ክፉእ በደለይ (2)
ነዛ ጸልማት ዓለም ከይኮና አገልጋላይ (2)
አነስ አበሳየይ በደለይ ፈለጥኩ (2)
ፍጹም ዘድሕነኒ ምሕረትካ አምንኩ (2)
ንዓኻ በዲለ ክፉእ`ውን ገበርኩ (2)
ምሕረትካ ለግሰለይ ቅድሜኻ ወደቕኩ (2)
ቅድሜኻ ወዲቐ ክልምን ንዓኻ (2)
ይቕሬታ ሃበኒ ምወዳቐይ ርኢኻ (2)
ሕጂ ባርከልና እምነትናን ሃገርናን (2)
ጎይታ ሕጂ ለኣኸልና ጸጋ መንፈስ ካን
(ጴራቅሊጦስ)
ሕጂ ባርኸና ስግደትናን ጸሎትናን (2)
ጎይታ ልኣኸልና ቅዱስ ሚካኤልን
(ቅዱስ ገብሪኤልን)
ኣዝዩ ደስ ዝብል መዝሙር፣ ቃለ ሂወት የስመዓልና። እታ (ቂራጰሊጦስን) ዘላ ናብ (ጴራቅሊጦስ) ቀይራ።
ReplyDelete